ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ደሞክራት ጆ ባይደን ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ፓርቲኦም ክኸውን ብወግዒ ሸይሞሞ


ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ፥ደሞክራት ንጆ ባይደን ትማሊ ሰሉስ ብወግዒ ሸይሞሞ። ኣብ ናይ ትማሊ ካልኣይ መዓልቲ ብርሕቐት ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ደሞክራት መደረ ዘስምዑ ሰባት፥ ንባይደን ኣገልጋሊ ሃገር፡ ኣቦን በዓል ቤትን ክብሉ ገሊጾሞ፥ ካብ ገለ ኣባላት ሪፓብሊካን ከይተረፈ ድማ ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝነቅፍ መደረ ተሰሚዑ።

ትቕጽል ቀዳማዊት እመቤት ክትከውን ትኽእል ጂል ባይደን፥ እዚ ለበዳ ኣብ ቆልዑትን ስድራቤታትን ዘሕደሮ ጽልዋ ብምጉላሕ፥ ብዛዕባ ስድራቤታ ክትዛረብ ከላ ድማ፥ንስድራቤት ናብ ሓደ ኣብ ምምጻእ ዘርእዮ ጥርናፈ ኣብ ሃገር`ውን ዘርእዮ`ዩ ኢላ።

ካልእ መደረ ዘስምዐ ድማ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ በዓል 4 ኮኸብ ጀነራል ኮሊን ፓወል ብወገኑ፥ ብዛዕባ ጆ ባይደን ምዝራብ ብዙሕ ዘድሊ`ውን ኣይኮነን፥ እቲ ምስ ሚልዮናት ስድራቤታት ወተሃደራዊ ሓይልታት ዝካፈሎ ተመክሮ ንባዕሉ ምስክር`ዩ- ንወዱ ናብ ዓውዲ ኩናት ሰዲዱ -ብሰላም ክምለሰሉ ዝጽልይ ሰብ`ዩ ክብል ገሊጹዎ ።

ደሞክራት በዚ ጉባኤኦም ጌሮም ሓድነቶም ከርእዩ`ይፍትኑ ኣለው።

ብኻልእ ወገን ጉባኤ ሪፓብሊካን ድማ ዝመጽእ ሰሙን ክጅመር`ዩ።

XS
SM
MD
LG