ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኣፍሪቃ ንምምካት 91 ሚልዮን ዶላር ን12 ሃገራት ምልኣኻ ተገሊጹ


J
J

ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝግበር ቃልሲ ኣንጻር ኮቪድ 19 ንምዕዋት ዘሕግዝ 91 ሚልዮን ዶላር ናብ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝለኣኸት ተገሊጹ።

ዋና ዳይረክተር ዩኤስኤኣይዲ (USAID) ጨንፈር ኮቪድ19 ጀረምይ ኮኒንዲክ ክዛረቡ ከልው ኣሜሪካ ቅድሚ ሎሚ ናብ ትሕቲ ሳሃራ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ 541 ሚልዮን ዶላር ከምዝለገሰት ጠቂሶም አለው።

ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪቃ ብመሰረት ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣብ 15 ሃገራት ሳልሳይ ዙር ማዕበል ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዘላ ተኸሲቱ ኣሎ ይብል።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተሓዙ ሰባት ሰሙናዊ ብ20 ሚእታዊት ይውስኽ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG