ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ዕጡቓት ሑቲ የመን መጥቓዕቲ ደው ከብሉ ትጽውዕ


ኣሜሪካ ኢራን ትድግፎም ደባይ ተዋጋእቲ የመን፣ ኣብ ግዝኣት የመንን ኣብ ስዑድ ዓረብ ንዝርከቡ ሰላማዊያን ሰባት ዝልክም ሓድሽ ዙር ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ንከይፍንው ጸዊዓ።

መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይስ ኣሜሪካ ፣ በቲ ዕጡቃት ሑቲ ይፍንውዎ ዘሎ መጥቃዕቲ ከምዝተረበሸት ገሊጹ ኣሎ።

እቲ መግለጺ "ምልሻታት ሑቲ ፣ ካብ ዘራጊ ግብሪታት ንክቁጠቡን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ የመን ዝጀመርዎ ጽምዶ ንክቅጽልሉን ነተባብዕ" ይብል።

ኣሜሪካ ናብ’ዚ መግለጺ’ዚ ዝበጽሐት፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፣ ነቲ ቅድሚኦም ፕረዚደንት ዝነበሩ ዶናልድ ትራምፕ፣ ነቲ ምስ ተቓወምቲ ዝዋጋእ ዘሎ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ዝህብዎ ሓገዝ ደው ክብል ድሕሪ ዝሃብዎ ትእዛዝ እዩ።

ነዚ መርገጺኦም ዝገለጹ ፕረዚደንት ባይደን፣ ንውግእ ኣብ የመን "ሰብኣዊን ስትራተጂካዊን ጥፍኣት" ኢሎም ከምዝገለጽዎ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG