ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ዕጡቓት ሑቲ ተጻብኦታት ደው ከብሉ ጸዊዓ


ኣሜሪካ፡ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ውሽጢ የመን ሓዲሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከይገብሩ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ`ውን ከይትኩሱ ክትብል ጸዊዓ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣሜሪካ በቲ ሑቲ ዘካይዶ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ዓሚቕ ሻቕሎት ኣለዋ ይብል።

እቲ መግለጺ ዕጡቓት ሑቲ ተወሳኺ ተጻብኦታት ደው ኣቢሎም፡ ምስ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃናጺ ጽምዶ ክኣትዉ ንጽውዕ ይብል ።

እዚ ጻውዒት ኣሜሪካ ዝስማዕ ዘሎ፡ ሓዲሽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣሜሪካ ነቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ኩናት የመን ትህቦ ድጋፍ ከምተቋርጾ ድሕሪ ምፍላጡ`ዩ።

ፕረዚደንት -ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝርዝር ግብረ ሽበራ ኣእትዩዎም ምንባሩ ይፍልጥ- እንተኾነ ባይደን ካብቲ ዝርዝር ከምዘውጽኦም ኣፍሊጡ`ዩ።

XS
SM
MD
LG