ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ዕድል ክታበት ንኹሉ ንዝብል ውሳነ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ'ላ

ኣሜሪካ ነቲ ብጉባኤ ጥዕና ዓለም ዝቐረበን፥ ኣድማሳዊን ብርትዓዊ ዋጋ፥ ንኹሉ ሰብ ናይ ክታበት ዕድል ክኽፈተሉ ዝጽውዕን ውሳነ ፥ ንኩባንያታት መድሃኒት ኣመሪካ ዝጎድእ`ዩ ብምባል ድምጺ ተዓቅቦ ሂባ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ እቲ ንክልተ-መዓልታት ብርሕቐት ዝተኻየደ ጉባኤ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝተዛዘመሉ`ዩ።

እቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተመርሐ ውሳነ፥ ኣብ ገለ- ክፋል ንግዳዊ መሰል ዋንነት ምትዕጽጻፍ ክግበር ይጽውዕ። እዚ ማለት ብዘይካ ናይ መሰል ዋንነት ሰሓቦ ጉተቶ ኣብ ምክልኻልን ምሕካምን ኮቪድ19: ሃገራት ትሕት ዝበለ ዋጋ ዘለዎ ክታበታት ካብ ካልኦት ሃገራት ከእትዋን ከፍርያን ሕጋዊ መሰል ዝውሃበን ዝገብር`ዩ።

ኣሜሪካ ግን እቲ ውሳነ ንኩባንያታት መድሃኒት ናይ ፓተንት መሰለን ዝቕንጥጥ`ዩ- ኣታዊታተን ዘጉድልን ሓዲሽ መድሃኒት ንከፍርያ ዘየተባብዐንን`ዩ ዝብል መጎተ ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ`ቲ ንድፊ ተቓውሞኣ ኣስሚዓ`ላ።

እቲ ውሳነ ኣብ ዕድላት ምርካብ መድሃኒት ሚዛናውን ኣጠቓላልን ኣካይዳ ዝተኸተለ ኣይኮነን- ስለዚ ኣብ ምርምራትን ምምዕባልን መድሃኒታት ዘተባብዕ ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ`ውን ኣቒሪባ’ላ።

እቲ ውሳነ ብተወሳኺ ኣብ ብቕዓት ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣህጉራዊ ምላሽን ናጻን ኣጠቓላልን ገምጋም ክካየድ ጸዊዑ`ሎ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ብዝክኣል መጠን ኣብ ዝቐረበ እዋን ገምጋም ክካየድ ዝብል ከምዘበግስ ኣፍሊጡ`ሎ፡

"ዓለማዊ ውሕስነት ጥዕና ንምሕያልን ውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምውሳድን ዝግበር ገምጋም ሓንጎፋይ ኢልና ንቕበሎ ኢና ዝበለ ዶ/ር ቴድሮስ፥ ንግልጽነት ተሓታታትነትን ቀጻሊ ምምሕያሽን ቅሩባት ኢና ኢሉ።

ዶ/ር ቴድሮስ ፥ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብተሪር ክንቀፍ ጸኒሑ`ሎ- ምስ ቻይና ኢድን - ጓንትን ኮይንካ በይጂግ ትደልዮ ኢኻ ክትገብር ጸኒሕካ ክብል`ውን ይኸሶ`ሎ። ትራምፕ ትማሊ ሰሉስ ናብ ቴድሮስ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፥ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ርኡይ ለውጢ እንተዘየምጺእካ፥ ንውድብ ጥዕና ዝህቦ ገንዘብ ንሓዋሩ ከቋርጾ`የ ክብል ኣጠንቂቑ`ዩ።

ዶ/ር ቴድሮስ ብወገኑ ፥ተመክሮታት ዝተዓወትናሉን እንምሃረሉን ምግምጋም ንቐጻሊ ኣብ ምክልኻል ለበዳ ንእንህቦ ምላሽ ኣገዳሲ`ዩ ክብል ነቲ ገምጋም ይካየድ ዝብል ይቕበሎ። ኣብዚ እዋን`ዚ ግን ትኹረት’ቲ ውድብ ኣብ ምክልኻል`ዚ ለበዳን ምድሓን ህይወትን ክኸውን ኣለዎ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG