ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ : ካልኣይ ክታበት ኮቪድ 19  ክውሃብ ጀሚሩ


ካልኣይ ክታበት ኮቪድ 19 ሎሚ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ክውሃብ ጀሚሩ`ሎ። እቲ ብፋብሪካ መድሃኒት ሞደርናን ሃገራዊ ትካል ጥዕና ኣሜሪካ (NIH)ን ዝፈረየ ክታበት : ኣስታት 6 ሚልየን ዶስ(ዓቐን) ድሮ ኣዋፊሩ`ሎ። እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፋይዘርን ባዮ-ኤን ተክን ዘፍረዮ 2.9 ሚልየን ዝድመር`ዩ ተባሂሉ`ሎ። ከም መምርሒ ሲዲሲ ኣብዚ ካልኣይ ዙርያ ዝኽተቡ ድማ ልዕሊ 75 ዓመት ዝዕድሚኦም`ውን ኣብ ቅድመ-ግንባር ዝተመደቡ ሰራሕተኛታትን`ዮም-።

ኣብዚ ካልኣይ ዙርያ ቅድመ-ግንባር ተባሂሎም ዘለዉ፥ ከም ፖሊስ፥ መጥፋእቲ ሓዊ፥ ሰራሕተኛታት መግቢን ሕርሻን፥ መማህራን ከምኡ`ውን ሰራሕተኛታት ፖስታ`ዮም።

ተመራጺ ጆ ባይደንን በዓልቲ ቤቱን ሎሚ ክታበት ፋይዘር ክኽተቡ መደብ ኣለዎም። ምኽትሉ ካሚላ ሃሪስ ድማ ምስ በዓል ቤታ ዝመጽእ ሰሙን ክኽተቡ ተመዲቡ`ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተኸትቡ፥ ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስ፡ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ናንሲ ፐሎሲ፥ ከምኡ ድማ መራሒ ዓብላሊ ፓርቲ ሰነት ሚች ምኮነል ይርከብዎም።

XS
SM
MD
LG