ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ካልኣይ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣጽዲቓ


ኣሜሪካ ካልኣይ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣጽዲቓ። ብፋብሪካ መድሃኒት ሞደርናን ሃገራዊ ኢንስቲቱት ጥዕና ኣሜሪካን ዝማዕበለ ክታበት፡ ውሑስን ኣድማዕን ኮይኑ ተረኺቡ ከምዘሎ ተቖጻጸርቲ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ቀዳማይ መጽናዕቶም ሂቦም ኣለዉ።

ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ከይላይ ምክናኒ፥ ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ እንተኣጽዲቕዎ 6 ሚልየን ዓቐን ክታበት ሞደርና ክሳብ ዝመጽእ ሰሙን ክዝርጋሕ ክጅምር`ዩ ኢላ`ላ።

ብናይ ኣሜሪካ ካምባኒ ፋይዘርን ብናይ ጀርመን ካምፓኒ ባዮ-ን-ተክን ዝተሰርሐ ክታበት ኣብዚ ሰሙን`ዚ ንሰራሕተኛታት ጥዕና ክውሃብ ከምዝጀመረ ይፍለጥ`ዩ።

ብኻልእ ወገን ኤፍ ዲ ኤ ማለት ምምሕዳር መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ፥ ባዕልኻ ገዚእካ ኮቪድ ትምርመረሉ መሳርሒ ትማሊ ሰሉስ ኣጽዲቑ`ሎ። እቲ ብ `ኢሉም` ዝብሃል ኣውስተራልያዊ ኩባንያ መድሃኒት ዝተማህዘ መሳርሒ፥ ካብ ፋርማሲ ብምግዛእ ባዕልኻ ነብስኻ መርሚርካ፡ ኣብ ውሽጢ 15-ክሳብ 20 ደቒቕ ብናይ ስማርት ፎን ኣፕ ውጽኢት ከርእየካ ዝኽእል`ዩ።

XS
SM
MD
LG