ኣሜሪካ፡ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ክልል ትግራይ ጎንጺ ዘነሃህሩ ዘለዉ መንገዶም ዘይቅይሩ እንተኾይኖም ከም ብማግኒስኪ ዓንቀጽ ዝፍለጥ እገዳ ክገብር`የ ኢላ ተጠንቅቕ ኣላ። ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ኣባላት ባይቶ`ውን ነቲ ግፍዕታት ንከብቅዕ ትርር ዝበለ ስጉምቲ ክውሰድ ይድግፉ`ለዉ።
ብኻልእ ወገን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ፡ ምስ ዋሺንግተን ዘለዎ ዝምድና ከምዝግምግም ኣጠንቂቑ`ሎ።
ኤርትራ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ድማ፡ ተግባራት ኣሜሪካ ንህወሓት ካብ`ቲ ዝፈጸሞ ናይ ክሕደት መጥቃዕቲ፡ ካብ ተሓታትነት ናጻ ንምግባር ዕላማ ዘለዎ- ክትብል ገሊጻቶ`ላ::
ሰራዊታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓደ ወገን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድማ በቲ ሓደ ወገን ዘካይድዎ ግጭትልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ`ሎ:: ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተቐቲሎም: ኣስታት 2 ሚልየን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም" ገለ 5 ሚልየን ድማ ሓደጋ ጥምየት ኣጋጢምዎም ኣሎ።
ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሰነተር ባብ መነንደዝ ኣብ ቅልውላው ትግራይ ትማሊ ሓሙስ ቃለ-ምስክርነት ዘካየደ ክኸውን ከሎ፡ መቓልሕ ምጽናት ዘርኢ ዳርፉር ይርኢ ከምዘሎ ገሊጹ::
"ኩሎም ወገናት በቲ ግፍዕታት በደለኛታት`ዮም። ካብ ንረኽቦ ዘለና ጸብጻባት ግን ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓገዝቲ ሚልሻታትን`ዮም ብዘይሓላፍነታዊ መንገድን ክፋእን ንሲቪላት ዒላማ ዝገብሩ ዘለዉ- ገበናት ኩናትን ገበናት ጸረ-ሰብኣውነትን ንርኢ ዘለና ኢና ንመስል" ኢሉሰነተር መነንደዝ። እቲ ግጭትን ሰብኣዊ ቅልውላውን እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ መነንደዝን ካልኦት ሰነተራትን- ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ- እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግፍዕታት ናብ ገበናት ኩናት ክድይብ ዝኽእል እንተኾይኑ ቀልጢፉ ገምጋሙ ክውድእ ጸዊዖም።'
ሰነተር ጂም ሪሽ ብወገኑ ምስዚ ብምስምማዕ፡ ዓለም ከምዚ ዓይነት ኣብ ዳርፉርን ርዋንዳን ርእያቶ`ያ ኢሉ።
ናይ ኣይዳሆ ሰነተር ሪች"ኣሜሪካን መሓዙታን ካብ ምትብባዕን ጽምዶን ምስ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምዝርራብ ዝብሉ ዲፕሎማሲታት ናብ ትግባረ ምስግጋር ክቕጽላ ኣለወን" ኢሉ ።
ጉጅላዊ ዓመጽ ትግራዎት ኣንስንት ኣዋልድን ብሰፊሑ ኣሎ- ዝብሉ ጸብጻባት ኣለዉ::
ሳራ ቻርለስ ካብ ዩኤስኤኣይዲ፡ እቲ ጭካነ ካብ መንጎ ዝረኣየቶም ዝኸፍኡ ሓደ`ዩ ክትብል ንሰነተራት ትነግር፡"እቲ ጸብጻባት ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቀኣንስትዮ ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽን ካልእን ጥራይ ዘይኮነስ፡ነቲ ሕብረተሰብ ንምፍራስን ምዕናው ስድራቤትን ዝግበር ፈተነ`ውን`ዩ" ትብል ሳራ ቻርለስ ገለ ገበነኛታት ንኣንስቲ እቕሽቲ ዒላማ ከምዝገብሩን፡ ንደቀኣንስትዮ ኣብ ቅድሚ ስድራቤተን ከም ዝብድልወንን ኣካለን ክሳብ ዝጉዳእ ጎንጺ ከምዝጥቀሙን ትዛረብ።
ሮበርት ጎደግ ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ንጉዳይ ኣፍሪቃ ክኸውን ከሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መጥወዪ ቦታ`ያ ዘላ- መንገዳ እንተዘይቀይራ ከም እገዳ ዓንቀጽ ማግኒትስኪ ዝበለ ተወሳኺ ስጉምቲ ክጽበያ ይኽእል`ዩ ይብል- እቲ ምግኒትስኪ ዝብሃል- ገንዘብ ዘደስክልን-ንገሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክልን`ዩ።
"ኢትዮጵያ ኣብ ነጥቢ መቐይሮ`ያ ዘላ- መንግስቲ ዝገብሮ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ-ምድራት ሚድያ- ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ ምውራድ ፖለቲካዊ ባይታ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ምፍሕፋሕ የስዕብ ኣሎ- ነቲ ንሰነ 21 ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ`ውን ይጎድኦ`ሎ" ይብል ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ብውድባት ሰብኣዊ መሰላትን ትካላት ረድኤትን ዝቐርብ ጸብጻባት ኣይቅበሎን። መብዛሕቲኦም ኣብ ትግራይ ዝተቐተሉ ተዋጋእቲ`ምበር ሲቪላት ኣይኮኑን ይብል።
ሚንስትሪ ወጻኢ ኢትዮጵያ ንዩኤስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ብምእታው ድሕሪ ምኽሳስ፡ እገዳታት ጸጥታ ዝቕጽል እንተኾይኑ፡ ምስ ዋሺንግተን ዘለዎ ዝምድና ከምዝግምግም ኣጠንቂቑ`ሎ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ናይ ትዊተር ምላሽ ድማ ፡ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክሳብ ናይ ሰነት ኮሚቴ ዝምድና ወጻእን ካልእ ጨንፈራትን መንግስቲ ኣሜሪካ ዝካየድ ዘሎ ነገር፡ ናብ ሓደ ቴማ ክጸሪ ዝኽእል`ዩ ንሱ ድማ ንህወሓት ካብ`ቲ ዝፈጸሞ ናይ ክሕደት መጥቃዕቲ ተሓታቲ ካብ ምግባር ናጻ ጌርካ፡ ነቶም ተረፈመረፍ ኣኻኺብካ ትንፋስ ንምዝራእ ዝግበር ፈተነ`ዩ ኢሉ`ሎ።
ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣተሓሒዙ፡ ቄናን ሚዛን ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣይቃዶን`ዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዞባዊ ርግኣትን ሰላምን`ውን ዘዛብዕ`ዩ ብምባል፡ ብህወሓት ብዝተወልዐ ኩናት ንዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላው ምውጋድ ሓደ ኮይኑ፡ ነቶም ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስዱ ዝተገደዱ ምኽሳስ ድማ ካልእ`ዩ ኢሉ::