ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበረ ኣምባሳደራ ምስሓባ ገሊጻ


ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን ክካየድ ዝጸንሓ ልዝብ ብዘይምዕዋቱ ኣብታ ሃገር ንዝጸንሓ ኣምባሳደራ ምስሓባ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ገሊጹ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት ኣምባሳደር ቶማስ ሃሸክ “ከም አካል ዳግመ-ግምት ዝምድና ኣሜሪካ ምስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳንን ህልው ምዕባለታት” ናብ ኣሜሪካ ከምዝምለሱ ይገልጽ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐዮ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ “ሃገሮም ኣብታ ሃገር ሰላምን ዕውት ፖለቲካዊ ምስግጋር ንምጉንጻፍ ንዝካየድ ጻዕርታት ክትድግፍ’ያ” ኢሎም።

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኬርን መራሒ ተቓወምቲ ሪያክ ማቻር ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ኹናት ሓድሕድ ብጸቕጢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካን መንግስታት'ቲ ዞባን ኣብ መስከረም 2018 ስምምዕ ሰላም ምፍርራሞም ይዝከር።

ክልቲኦም ወገናት ካብቲ ስምምዕ ወጻኢ ሓባራዊ መንግስቲ ንምምስራት ተወሳኺ 100 መዓልታት ምውሳኾም “ከምዘየሓጎሳ” ኣሜሪካ ትገልጽ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብዝተኻየደ ኹናት ኣስታት 400,00 ሰባት ምሟቶም ድሕሪ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ዘጋጠመ ኹናት ሓድሕድ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሓ ሰብ ዝተሰደደሉ ኹናት ሓድሕድ ምዃኑ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG