ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምብዳህ ዘሕግዝ ተወሳኺ 52 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝሃበት ተገሊጹ።
እቲ ቅልውላው ካብ ዝተጀመረሉ ጊዜ ጀሚሩ፣ ኣሜሪካ 153 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ኣበርኪታ ኣላ።
ቤት ዕዮ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ "እዚ ካብ ህዝቢ ኣሜሪካ ዝተዋሃበ ልግሲ፣ ዓለምለኸ መሻርኽቲን ትካላትን ነቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለው 4.5 ሚልዮን ከምኡ'ውን ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ 62 ሽሕ ሰባት ንምሕጋዝ ክጥቀሙሉ እዮም" ይብል።
"በቲ ኣብ ትግራይ ዝራኣይ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣዚና ተሻቂልና ኣለና" ዝብል እቲ መግለጺ፣ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ንዝተዛረቦ ተገዳስነትን ስዳሮታትን ኣፍልጦ እናሃብና፣ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ዝያዳ ንጥፈታት ከምዝጽበ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱን ኣብ ልዕሊ ትካላት ረድኤት ዝጥቀሙሉ መሳርሕታትን ዝተነበረ እገዳ ንከልዕሎን፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብዘይደረት ንክንቀሳቀሱ ንክፈቅድን" ሓቲቱ።
እቲ መግለጺ "ህጹጽ፣ ሙሉእ፣ ውሑስን ዘይተደረተ ምንቅስቃስ ትካላት ረድኤትን ሰራሕተኛታትን፣ እዋናዊ፣ ኣብ ጠለብ ዝተመስረተ ቀረብ ንምፍጻምን በቲ ውግእ ንዝተጎድኡ ንክነርክበሎምን ሓጋዚ እዩ" ይብል።
‘ፖለቲካዊ ፍታሕ ምስ ዘይንበር፣ ሰብኣዊ ኩነታት እናሓመቀ ከምዝኸድ’ ዝገልጽ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ፣ ‘ምቁራጽ ተጻብኦ፣ ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ምውጻእ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ክልል ኣምሓራ ካብ ትግራይ ምውጻእ ቀዳማይ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ’ ኢሉ።
‘ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ህወሓት፣ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ብዘየግድስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፣ ግፍዒን መግስሃስቲ መሰላትን ዝፈጸሙ ክሕተቱ ኣለዎም’ ይብል ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ።
‘ዩናይትድ ስቴትስን ማሕበረ ሰብ ዓለምን፣ ነቲ ኩነታት ብቀረባ ይከታተልዎ ኣለው፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣተዎ ቃል ንክትግብር፣ ነጻ፣ ዓለም ለካዊን ውሽጣዊን መስርሕ ምጽራይ ንክፍጸምን፣ ፈጸምቲ ግፍዒ ንክሕተቱን ኣዘኻኺሩ ኣሎ።