ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ 7 አባላት እስላማዊ ጉጅለ ምሟቶም ተገሊጹ


ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶማል ዝርከብ እስላማዊ ዕጡቓት ትማሊ ሰሉስ ብዝፈፀመቶ መጥቓዕቲ ንሸውዓተ አባላት'ቲ እስላማዊ ጉጅለ ምቕታላ ናይ ኣሜሪካ ወታሃደራዊ እዚ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

እቲ ደብዳብ እቲ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጥምረት ንዝፈፀምዎ መጥቓዕቲ ዝተወስደ ግብረ መልሲ እዩ ።

ሓይልታት ዞባ ፑንትላንድ እውን እቶም ናዕበኛታት ኣብ ዝተሓብኡሎም ከባቢታት ብመሬት ወታደራዊ ስርሒት ኣካይዶም ኣለው።ብዙሓት ናዕበኛታት ከምዝቐተሉ እውን ሓቢሮም።

ኣሜሪካ እቲ ደብዳብ ምስ ፌደራል መንግስቲ ሶማል ብምትሕብባር ከምዝተፈፀመ ገሊፃ ኣላ።ምኽትል ዳይሬክተር ወታሃደራዊ ስርሒት ኣፍሪኮም ብርጌደር ጀነራል ሚግወል ካስተላኖስ ስርሒት ኣሸበርቲ ጉጅለታት ንምፍሻል ኣብ ልዕሊኦም ጸቕጢ ምፍጣር ከምዝቕፅልሉ ብምግላፅ ዳዕሽን ኣልሸባብን ካብ ሶማል ንምውጋድ ሓገዞም ከምዝቕፅል ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG