ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባቕደድ ብዘካየደቶ መጥቓዕቲ ሓላፊ ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ኢራን ተቐቲሎም


ኣሜሪካ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባቕደድ ብዘካየደቶ መጥቓዕቲ ሓላፊ ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ኢራን ተቐቲሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:49 0:00

ኣሜሪካ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባቕደድ ብዘካየደቶ መጥቓዕቲ ሓላፊ ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ኢራን ተቐቲሎም

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ባቕዳድ ዝአዘዝዎ መጥቓዕቲ ንሓላፊ ፍሉይ ሓይሊ ኢራን ጀነራል ቃሲም ሶልማኒ ምቕታሉ ተገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ምክልካል ኣሜሪካ ድሕሪ’ቲ መጥቓዕቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ መጥቓዕቲ “ኢራን ንመጻኢ ካብ ተካይዶ መጥቓዕቲታት ንምክልካል’ዩ” ኢሉ’ሎ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ ጀነራል ሶልማኒ ኣብ ዒራቕ ንዘለው ዲፕሎማትን ካልኦት ኣሜሪካዊያን ዒላማ ዝገብር መጥቓዕቲ ንምክያድ ውጥናት የዳልው ኔሮም ክብል ከሲሱ’ሎ።

ፔንታጎን ብዛዕባ’ቲ መጥቓዕቲ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን ካብ ዒራቕ ዝተረኽበ ሓበሬታ ግን እቲ ዝተተኾሰ ሮኬት ነቶም ጀነራልን ካልኦትን ጽዒና ዝነበረት መኪና ምህራሙን ሓቢሮም ኣለው።

ሰበ ስልጣን ብዛዕባ ቁጽሪ ዝሞቱ ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘይሃቡ’ኳ ቁፅሪ ዝሞቱ ሸውዓተ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቪድ ዛሪፍ ነቲ መጥቓዕቲ ብምኹናን ”ብጣዕሚ ሓደገኛን ነቲ ኹነታት ዘጋድድን’ዩ” ኢሎም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ ኣሜሪካ ሓላፊነት “ሳዕቤን’ቲ ዓንዳሪነታ” ክትሽከም’ያ ኢሎም’

XS
SM
MD
LG