ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብብዝሒ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ብምምዝጋብ ክብረ ወሰን ሒዛ


ኣሜሪካ ክብረ ወሰን ዝሰበረ ቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሓዙ ሰባት ብምምዝጋብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሓዱሽ ዘሕዝን ምዕራፍ ምብፅሓ ተፈሊጡ።እቲ ለበዳ ካብ ዝጅምር ኣብ ሓደ መዓልቲ 47,000 በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ሰባት ክምዝገቡ እዚ ንፈለማ ግዜ እዩ።

እቲ ለበዳ ካብ ክፍለ ግዝኣታት ኣሪዞናን ቴክሳስን ክሳብ ካሊፎርኒያ፣ፍሎሪዳ፣ጆርጂያን ሳውዝ ካሮላይናን ዝተዘርግሐ እዩ።

ኣብ መላእ ኣሜሪካ ኮቪድ-19 ብቕልጡፍ ይጋፋሕ ምህላው ሓላፊ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ኣለርጅን ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዝኾኑ ዶክተር ኣንቶኒ ፋውቺ ገሊፆም። በቲ ሕጂ ዘለዎ እንተቐፂሉን እቲ ምስፍሕፋሕ ኣብ ቁፅፅር እንተድኣ ዘይውዒሉን ኣብ መዓልቲ 100,000 ሰብ ክትሓዝ ይኽእል እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ፋውቺ ንኮሚቴ ሰኔት ኣሜሪካ ትማሊ ሰሉስ ኣብዝሃብዎ ቃለ ምስክርነት ‘"ምሉእ ብምሉእ ከምዘይቀቖፃፀርናዮ ንፁር ኮይኑ ኣሎ’’ ኢሎም ።

ኣሜሪካ ብቫይረስኮሮና ዝተታሓዙ ልዕሊ 2.6 ሚሊዮን ሰባት ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 127,000 ሽሕ ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ብቀዳማይ ደረጃ ትመርሕ ኣላ።ኣሜሪካዊያን ናብ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ከይኣትው ተኸልኪሎም ኣለው።

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣልጀሪያ፣ኣውስትራሊያ፣ካናዳ፣ጆርጂያ፣ጃፓን፣ ሞንተነግሮ፣ሞሮኮ፣ ኒውዚላንድ፣ሩዋንዳ፣ሰርቢያ፣ደቡብ ኮሪያ፣ታይላንድ፣ቱኒዚያን ኡራጋይን ኣንቢሩዎ ዝነበረ እገዳ ትማሊ ሰሉስ ኣልዒሉዎ ኣሎ።

ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዓለም ብቫይረስኮሮና ዝተታሓዙ ልዕሊ 10.5 ሚሊዮን ዝሞቱ ድማ ልዕሊ 500,000 ሰባት ተመዝጊቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG