ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ኣስታት 453 ሽሕ ዶዝ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ንኢትዮጵያ ምልጋሳ ተፈሊጡ


ኣሜሪካ ልዕሊ 453 ሺሕ ዶዝ ክታበት ኮቪድ 19፡ ንኢትዮጵያ ምልጋሳ ኣፍሊጣ። ነቲ ክታበት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺባ፡ ንሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዘረከበት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ጊታ ፓሲ`ያ። እዚ ሎሚ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣተወ ክታበት ጆንሰን ኣንድ ጅንሰን ዝብሃል ኮይኑ፡ ዛጊት ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝለገሰቶ ክታበት ብድምር ናብ 25 ሚልየን ዶዝ ዝጽጋዕ ምዃኑ ኣምባሳደር ጊታ ኣብቲ እዋን ሓቢራ`ላ።

ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ብወገና፡ ሃገራ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ልዑል ጻዕሪ ኣብ ተካይደሉ ዘላ እዋን እቲ ልግሲ ኣሜሪካ ከምዝመጻ ጠቒሳ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG