ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ:ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ምርጫ ምቹእ ኩነታት ከተዳለው አለዋ ኢላ


ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ኣሜሪካ ሓያል ደሞክራስያውነት ኢትዮጵያ ከምትድግፍ ኣፍሊጣ`ላ። ናጻ ርትዓዊን ተኣማንን ምርጫ ኣብ ምቹእ ሃውሃው ምርጫ ጥራይ ክካየድ ከምዝኽእል`ውን ትገልጽ።

እዚ መግለጺ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቅልውላውን ግጭትን ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ`ዩ። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣቐድም ኣቢሉ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝኣተውኦ ቃል ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብቕልጡፍን ክጻረየሉ ብዝኽእል መንገድን ክወጽእ ደፊኡ ኔሩ`ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ትግራይ ክተውጽእ ተሰማሚዓ`ያ ኢሉ ኔሩ `ዩ- ድሕሪኡ`ውን ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ተራኺቡ ኔሩ። እንተኾነ ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ መረጋገጺ`ኳ እንተተዋህበ፡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ግን እቲ ምንስሓብ ከምዝተገብረ መረዳእታ የለን ኢሎም ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ንሰነ 5,2021 ሃገራዊ ምርጫ ንኽተካይድ ትቃለስ ኣላ- ኣብ ምዝገባ ኣድምጽቲ ጸገማት የጋጥማ`ሎ። እቲ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝተናውሐ ብምኽንያት ዝነበረ ስግኣት ኮቪድ 19`ዩ። ምምሕዳራዊ ምርጫታት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድረዳዋን ንሰነ 12 ተመሓላሊፉ`ሎ።

ወሃቢ ቃል- ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ "ጥጡሕ ሃዋህው ምርጫ ክህሉ- መንግስቲ ኢትዮጵያ- ናይ ምእካብ ናይ ምዝራብ-ተሳትፎ ፖለቲካን ዕድላት ኢንተርነትን ሓበረታን መሰላት ከኽብር ኣለዎ" ኢሉ ። ኣስዒቡ " ፓርትታት ፖለቲካ ድማ ጎንጺ ከወግዱን፡ ሓይልታት ጸጥታ ድማ ካብ ሓይሊ ምጥቃም ክቑጠቡ ይግባእ" ኢሉ።

ከምኡ`ውን "ኣብ እዋን መስርሕ ምርጫ ጎንጽታት ንምንካይ ዝዓለመ፡ ማሕበረ-ኮማዊ ዘተ ዝሰረቱ ልዝብ ንምትብባዕ ምስ ኣህጉራዊ መሻርኽቲ ተቐራሪብና ንሰርሕ ኣለና" ኢሉ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እቲ ምርጫ በቲ ዘሎ ኩነታት ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምን እንተኾይኑ ዝበሎ ነገር የለን።

ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ክተካይድ ዝክኣል ኣይኮነን ዝበለ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣመሪካ ዝነበረ ደቪድ ሺን፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ`ውን ንሰነ 5,2021 ምርጫ ንምክያድ ገለ ስክፍታት ኣሎ ኢሉ። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ እዋን`ዚ ምርጫ ከምዘይካየድ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ`ዩ።

ጎንጽን ገለ ገደባት ንናይ ደገ ተዓዘብትን ናብቲ መስርሕ ምርጫ ገለ ሕቶታት ኣልዒሉ ኔሩ`ዩ። ሕብረት ኤውሮጳ ተዓዘብቲ ምርጫ ናብ ኢትዮጵያ ንምልኣኽ ሰሪዝዎ`ኳ እንተነበረ ሕጂ ግን ጉጅለ ክኢላታት ናብቲ ምርጫ ክልእኽ ከምዝወሰነ ካብ ኢትዮጵያ ይስማዕ ኣሎ።

ትማሊ ሰኑይ፡ ሓደ ካብ ብክልቲኡ ፓርቲ ዝቖመ ጉጅለ ኣባላት ኮንግረስ ዝወጸ መግለጺ፡ቀጻሊ ህላወ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብዓሚቕ ከምዘሻቕሎ ይገልጽ።

ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻእ ግሪጎሪ ሚክስ ላዕላዋይ ኣባል`ታ ኮሜቴ ሚካኤል ምካውልን"ናብ ነባሪ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ኩሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ልዝብን ዝወስድ ሓደ መንገዲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ኣይርከብን፡ ኣብ ጅምላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ትግራይ ኢድ ከምዘለዎም ዝእመኑ ሓይልታት ኤርትራ፡ ንምፍታሕ`ቲ ግጭት ዓቢይ ዕንቅፋት`ዩ" ይብሉ ።

ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይኮነ ካልእ ሓገዝ ደው ምባላ ከምትቕጽል- ንሱ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ትግራይ ግፍዕታት ከምዘብቅዕ ንምግባር ዝያዳ ክገብር ንምድፋእ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይገልጽ።

እንተኾነ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ካልእ ሰብኣዊ ሓገዛት ምሃቡ ክቕጽል`ዩ።

ኔድ ፕራይስ"ንኢትዮጵያ ረዲኤት ኣብ ንሓስበሉ እዋን- ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ተወሳኺ ሸኸም ክንፈጥረሉ ኣይንደልን ኢና" ይብል ። ንሱ ኣስዒቡ ቀጻሊ ስጉምትታት ኣብ ንሓስበሉ እዋን ክንሕግዞም ዝክኣለና ምግባርና ክንቅጽል ኢና ኢሉ።

ቅልውላው ክልል ትግራይ ኣብ ኣኼባ ሚኒስትራት ወጻኢ ጉጅለ 7`ውን ተዘትይሉ`ዩ።

እቲኣኼባ ሚኒስትራት ወጻኢ ጉጅለ 7 ዘውጽእዎ መግለጺ ኩሎም ወገናት ተጻብኦታት ብዝቐልጠፈ ደው ከብሉ፡ ሓለዋ ሲቪላት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ሕግን ናጽነት ሚድያ፡ ከም ጾታዊ በደልን ካልኦት ግህሰታትን ዝፈጸሙ ድማ ተሓተቲ ይኹኑ ይብል ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::

ኣሜሪካ:ኢትዮጵያ ንዝመጽእ ምርጫ ምቹእ ኩነታት ከተዳለው አለዋ ኢላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:02 0:00


XS
SM
MD
LG