ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ንፕሮግራም ልምዓት ሴፍቲ ኔት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርክቱን ምጽንባራ ተገሊጹ


መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ልምዓት መሻርኽቱን ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕፕሮግራም ልምዓት ሴፍት ኔት ኣሜሪካ ምጽንባራ ተገሊጹ።

ፕሮግራም ልምዓት ሴፍት ኔት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ተጠቀምቲ ዝገብር ብቢሊዮናት ዶላር ዝቑጸር ኣብ ውሕስነት መግቢ፣ህዝባዊ ስራሕ ዝውዕል ፕሮግራም ሴፍት ኔት ንምምዋል ተጀሚሩ'ሎ።

ፕሮግራም ሴፍት ኔት መጀመሪያ ብሓገዝ ኣሜሪካ ኣብ 2005 እዩ ተመስሪቱ። v ኣብቲ እዋን USAID ልዕሊ 550 ሚሊዮን ዶላር ለጊሱ እዩ።

ሎሚ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ፕሮግራም ሴፍት ኔት ይሳተፉ ዘለው ዓለምለኸ መሻርኽቱን ተወሳኺ 2.2 ቢሊዮን ዶላር ኢንቨትመንት መዲቦም ኣለው።ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ድኽነት ንምውፃእ በብዓመቱ ንትሽዓተ ሚሊዮን ሰባት ተጠቀምቲ ሓገዝ መግቢን ካልኦት ኣገልግሎታትን ብምግባር ንምብፃሕ ተተሊሙ ኣሎ።

ብመሰረት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘውፅኦ መግለፂ ሚኒስትር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሺደን ሚኒስትር ሕርሻ ዑማር ሑሴንን ምስ ሓለፍቲ USAID፣ ባንኪ ዓለም፣ብሪጣንያ፣ኮመን ወልዝን ልምዓትን ቤት ፅሕፈት፣ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ኣድህን፣ Irish Aidን ኔዘርላንድን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ተራኺቦም ኔሮም።

XS
SM
MD
LG