ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ፡ ንኤርትራ ካብ ዝርዝር ኣብ ዘመተ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዘይተሓባበራ ሃገራት ኣውጺኣታ


ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ጉጅለ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ -ፋይል
ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ ጉጅለ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ -ፋይል

ኣሜሪካ ኣብ ወፍሪ ጸረ-ሽበራ ዘይተሓባበራ ኢላ መዲባተን ካብ ዝጸንሐት ሃገራት ሓንቲ-ኤርትራ ካብ`ቲ ዝርዝር ከም ዝወጸት ኣብ`ቲ ጽባሕ ረቡዕ ዝወጽእ መዝገብ ተገሊጹ`ሎ።

ኣብቲ ዝርዝር ኢራን፡ሰሜን ኮርያ፡ሶርያን ቬንዝዋላን ከምዘለዋ ተፈሊጡ’ሎ።

ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣስታት 20 ዓመታት ምስ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝነበረ ወጥሪ ብኣዋጅ ኩናት ደው ብምባል ምዝዛማ ይዝከር።

እዚ ዲፕሎማሲያዊ ለውጢ ድማ ቤት ምክሪ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ካብ 2009 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ከልዕል ጌሩ’ዩ።

ብተወሳኺ ጉጅለ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ 14 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ንኤርትራ ምብጽሑ’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG