ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ንናይ ግብጺ እስላማዊ ሕውነት ኣብ ዝርዝር ውድብ ግብረ ሽበራ ክምደብ ኣብ ግምት ምእታዋ ትገልጽ


ፋይል
ፋይል

ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ግብፂ እስላማዊ ሕውነት/Muslim Brotherhood/ ኣብ ዝርዝር ናይ ወፃኢ ሃገራት ግብረሽበራዊያን ውድባት ንክምዝገብ ኣብ ግምት ምእታዎም ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ሎሚ ሰሉስ ኣፍሊጡ።

“እቶም ፕረዚደንት ምስ ሃገራዊ ፀጥታን ተመሳሳሊ ሻቐሎት ምስ ዘለዎም መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባን ብምምኻር ኣብ ዝርዝር እቲ መዝገብ ንምእታው ውሽጣዊ መስርሕ ይካየድ ኣሎ’’ክብላ ወሃቢት ቃል ዋይት ሃውስ ሳራ ሳንደርስ ሓቢረን።

ኣብ ግብፂ ዝነውሐ ዕድመ ዘለዎ እስላማዊ ምንቅስቓስ ኣብቲ ዝርዝር ናይ ወፃኢ ሃገር ውድብ ግብረ ሽበራ እንተተመዲቡ፡ ኣሜሪካ ምስቲ እስላማዊ ሕውነት ርክብ ኣብ ልዕሊ ዘለዎ ውልቀሰብ ይኹን ጉጅለ ማዕቐብ ከተንብር ከኽእላ’ዩ።

እዚ ዝግለፅ ዘሎ ፕረ. ትራምፕ ንመዘንኦም ፕረዚደንት ግብፂ ዓብድል ፋታሕ ኤል-ሲሲ ኣብ ዋሽንግተን ብምእንጋድ ‘ዓብዪ ፕሬዝዳንት’ኢሎም ድሕሪ ምንኣዶምን ርክብ ኣሜሪካን ግብፅን ከም ሎሚ’ዃ ልዒሉ ኣይፈልጥን ድሕሪ ምባሎም ሰለስተ ሰሙናት እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣባላት ኮንግረስ፣ዓለምለኸ ፖለቲከኛታትን ጉጅለታት ተሓለቐቲ መሰላትን ፕረዚደንት ኣልሲሲ ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስን ክሳብ 2030 ዓ.ም ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ዘኽእሎም ፕረዚዳንታዊ ደረት ዘናውሕ ሕጊ ክፀድቕ ብምግባሮም ይነቕፉዎም።

XS
SM
MD
LG