ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ንቻይና ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ ንካልኦት 5 ሃገራት ኤስያ ከምትህብ ትገልጽ


መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ እስያ ንዝርከባ ሓሙሽተ ሃገራት ንቻይና ካብ ዝወሃብ ሓገዝ ኣውጺኡ ክህበን ይፍትን ኣሎ። እቲ መኮንግ ኣሜሪካ ዝተባህለ ምሕዝነት ዝሓለፈ መስከረም 11 ዝቖመ ኮይኑ፥ ነተን ብልምዲ ካብ ቻይና ሓገዝ ዝሓታ ዝነበራ ካምቦድያ- ላኦስ-ማይንማር-ታይላንድ-ከምኡ`ውን ቨትናም-ሓገዝ ዝህብ`ዩ።

በዚ መሰረት ኣሜሪካ ነተን ሃገራት ካብ መሕወይ ረድኤት ኮቪድ-19 ክሳብ ጸረ-ደርቂ ሓገዛት ዝበጽሕ ረድኤት ከም ትገብረለን ኣፍሊጣ`ላ።

ተወዳደርቲ ሓያላት ዓለምና ዝኾና ቻይናን ኣመሪካን ንናእሽቱ ሃገራት ኣብ ምሕጋዝን ናብ ጸግዐን ኣብ ምውሳድን ክቀዳደማ ጸኒሐን`የን።

XS
SM
MD
LG