ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ንቕትለት ቱርካዊያን ኣብ ዒራቕ ኮኒና


ኣሜሪካ ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ኣብ ልዕሊ 13 ዜጋታት ቱርኪ ብዕጡቓት ቱርኪ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ኮኒና። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይስ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝወጸ መግለጺ "ኣብ ጎኒ ናይ ኔቶ መሓዛና ብምዃን ነቲ ቅትለት ንኹንን- ንስድራቤት ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል" ኢሉ።

ሚንስተር ምክልኻል ብዛዕባ`ቲ ቅትለት ክዛረብ ከሎ፡ እቶም ግዳያት ብኣባላት`ቲ ፒ-ከይ-ከይ ዝብሃል ፓርቲ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን ተጨውቶም ከም ዝተቐተሉ ሓቢሩ።

እቲ ቀቲሉ ዝብሃል ዘሎ ፒ-ከይ ከይ ዝብሃል ፓርቲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቶም ናይ ቱርኪ ስለያን ፖሊስን ዝርከብዎም ሰባት ምሩኻት`ዮም ኔሮም- ከምሳዕቤን ኩናት ግን ተቐቲሎም ኢሉ`ሎ።

ቱርኪ: ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ነቲ ፒ-ከይ ከይ ዝብሃል ዕጡቕ ጉጅለ ከም ኣሸባሪ ጉጅለ`የን ዝፈልጥኦ።

XS
SM
MD
LG