ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ንሱዳን ካብ ዝርዝር ግብረሽበራ ዝምውላ ሃገራት ከምተውጽኣ ሓቢራ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዩናይትድ ኣሜሪካ ንሱዳን ካብ ዝርዝር መዝገብ ንግብረ ሽበራ ዝሕግዙ ተባሂሎም ካብ ዝተመደቡ ሃገራት ክተውፅኣ እያ ኢሎም።እዚ ዝኸውን ዘሎ ሱዳን መጥቓዕቲ ግዳያት ሽበራ ንዝኾኑ ኣሜሪካዊያን ስድራቤታት ብኣማኢት ሚሊዮናት ዶላር ዝቑጸር ካሕሳ ንምኽፋል ድሕሪ ምስምምዓ እዩ።

ፕረዚደንትትራምፕ ኣብ ናይ ትማሊ ናይ ትዊተር መልእኽቶም "ዘሕጉስ ዜና!! ፅቡቕ ምዕባለ የርኢ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን 335 ሚሊዮን ዶላር ንናይ ኣሜሪካ ግዳያን ስድራቤታትን ንምኽፋል ተሰማሚዑ ኣሎ።እቲ ገንዘብ ኣታዊ ምስኮነ ሱዳን ካብ ዝርዝር መንግስታዊ መወልቲ ሽግብረበራ ከውፅኣ እየ።ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ንህዝቢ ኣሜሪካ ንሱዳን ድማ ዓብዩ ስጉምቲ!!’’ ክብሉ ፅሒፎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብዳላ ሓምዱክ እቲ ናይ ሽበራ ምደባ ንሱዳን ከምዝሃሰያ ብምግላፅ ንፕረዚደንት ትራምፕ ኣመስጊኖምዎም ኣለው።

ሱዳን ኣብቲ እዋን መራሒ ዝነበሩ ዑመር ኣል በሽር ንህዝቦላህን ናይ ፍልስጤም ዕጡቓት ጉጅለታትን ይሕግዙ እዮም ብዝብል ኣብ ዝርዝር ንግብረሽበራ ዝሕግዙ መንግስታት ኣብ 1993 ምእታዋ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG