ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ንልዝብ ሰላም ሱዳን ንምድሓን ዝካየድ ጻዕርታት ትሕወስ


5일 수단 하르툼에서 시민들이 민정이양 요구 시위를 하고 있다.
5일 수단 하르툼에서 시민들이 민정이양 요구 시위를 하고 있다.

ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ኣምባሳደር መሃመድ ዲርዲሪ ተቓወምቲን ወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዳግማይ ልዝብ ክጅምሩ ምስምማዖም ሓቢሮም።

መራሒ ቀንዲ ሕብረት ተቓዋሚ ውድብ ሱዳን ማዲኒ አባስ ማዲኒ ድሕሪ ምስ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ልዝብ ኣሜሪካ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብታ ሃገር ንምምስራት ዘካይድዎ ዘለው ጻዕርታት ከምትድግፍ ገሊጾም።

ኣሜሪካ፡ ንልዝብ ሰላም ሱዳን ንምድሓን ዝካየድ ጻዕርታት ትሕወስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:18 0:00

ማዲኒ አባስ ብዛዕባ ምስ ቲቦር ናዥ ዝነበሮም ርክብ “ ንሕና ንምክትል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ ኣሜሪካ ንትጻወቶ ተራ ብምምስጋን ጠለባትና ብንጹር ሓቢርናዮም ኢና፡ ንሶም እውን ኣሜሪካ መዝነት ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክሰጋገር ደገፋ ከምተበርክትን ኣብ ጎኒ ተበግሶ ኣፍሪቃዊያን ደው ከምትብል ብንጹር ሓቢሮም’ዮም። ንሶም ብሰውራ ህዝቢ ሱዳን ከምተመሰጡን ኣብ መወዳእታ ድማ ዕላምኡ ክወቕዕ ከምዝክእል ገሊጾምና’ዮም” ኢሎም።

ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ወታሃደራት መሪሕነት ብወገኑ እሱራት ፖለቲካ ከምዝፈትሕ ገሊጹ’ሎ።

ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታትን ሕጽረት ሸርፊን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታህሳስ ኣብታ ሃገር ብዝተላዕለ ተቓውሞ ነታ ሃገር ንኣስታት 30 ዓመታት ዝምርሑ ፕረዚደንት ኣል በሽር ካብ መሪሕነቶም ክወርዱ አገዲዱ’ዩ።ድሕሪ ኡ'ውን ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብታ ሃገር ክምስረት ዝጠልቡ ተቓውሞታት ክካየዱ ጸኒሖም'ዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣሜሪካ ንዶናልድ ቡዝ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሱዳን ኮይኖም ከገልግሉ መዚዛ’ላ። ንሶም ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኮይኖም ምግልጋሎም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG