No media source currently available
ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ኣምባሳደር መሃመድ ዲርዲሪ ተቓወምቲን ወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምምስራት ዳግማይ ልዝብ ክጅምሩ ምስምማዖም ሓቢሮም። መራሒ ቀንዲ ሕብረት ተቓዋሚ ውድብ ሱዳን ማዲኒ አባስ ማዲኒ ድሕሪ ምስ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ልዝብ ኣሜሪካ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብታ ሃገር ንምምስራት ዘካይድዎ ዘለው ጻዕርታት ከምትድግፍ ገሊጾም።