ዋሽንግተን —
ኣሜሪካ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከም ተዓዛቢት ከም ትምለስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣፍሊጡ።
እቲ ስጉምቲ ኣካል`ቲ ምምሕዳር ባይደን ዝኽተሎ ዲፕሎማሲ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ዘማእከለ ፖሊሲ ወጻኢ ከም ዝኾነ`ውን ገሊጹ`ሎ።
ኣሜሪካ ኣብ 2018`ያ ካብቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወጽያ፡ ሽዕኡ ፕረሲደንት ዝነበረ ትራምፕ፡ ዝሃቦ ምኽንያት ኣንጻር እስራኤል ጸግዒ ዝወስድ`ዩ-ምምሕያሽ ክግበረሉ ኣለዎ- ከምኡ`ውን ብሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ ከም በዓል ቻይና -ኩባ- ቨንዙወላ ዘለውኦ`ዩ ዝብል`ዩ::
ብሊንከን ግን ኣሜሪካ ምውጽኣ ብኣሜሪካ ናይ መሪሕነት ክፍተት ፈጢሩ`ዩ ይብል።
ኣሜሪካ ጽንሕ ኢላ`ውን ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ናይ ተዓዛብነት ናብ ምሉእ ኣባልነት ናይ ምእታው መደብ ከምዘለዋ ሰበ-ስልጣን ይገልጹ።