ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ:ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ከም ተዓዛቢት ከምትምለስ ኣፍሊጣ


ኣሜሪካ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ከም ተዓዛቢት ከም ትምለስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣፍሊጡ።

እቲ ስጉምቲ ኣካል`ቲ ምምሕዳር ባይደን ዝኽተሎ ዲፕሎማሲ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ዘማእከለ ፖሊሲ ወጻኢ ከም ዝኾነ`ውን ገሊጹ`ሎ።

ኣሜሪካ ኣብ 2018`ያ ካብቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወጽያ፡ ሽዕኡ ፕረሲደንት ዝነበረ ትራምፕ፡ ዝሃቦ ምኽንያት ኣንጻር እስራኤል ጸግዒ ዝወስድ`ዩ-ምምሕያሽ ክግበረሉ ኣለዎ- ከምኡ`ውን ብሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ ከም በዓል ቻይና -ኩባ- ቨንዙወላ ዘለውኦ`ዩ ዝብል`ዩ::

ብሊንከን ግን ኣሜሪካ ምውጽኣ ብኣሜሪካ ናይ መሪሕነት ክፍተት ፈጢሩ`ዩ ይብል።

ኣሜሪካ ጽንሕ ኢላ`ውን ካብዚ ሕጂ ዘላቶ ናይ ተዓዛብነት ናብ ምሉእ ኣባልነት ናይ ምእታው መደብ ከምዘለዋ ሰበ-ስልጣን ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG