ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ተጻብእቲ ወገናት የመን ተኹሲ ደው ከብሉ ትጽውዕ


ኣሜሪካ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝተጀመረ ጻዕርታት ነባሪ ሰላማዊ ፍታሕ ውጽኢት ክርክብ ተጻባእቲ ሓይልታት የመን ተኹሲ ደው ከብሉ ትጽውዕ።

ሚንስተር ምክልካል ኣሜሪካ ጂም ማቲስ ትማሊ ምሸት ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ብናይ ኣሜሪካ ናይ ሰላም ኢንስትዩት ኣብ ዝተአናገደ ኣጋጣሚ ተኹሲ ደው ምባል ንኹሎም ወገናት ካብቲ ኹናት ተአልዮም ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪስዝ ክራኸቡ ዘኽእል’ዩ ኢሎም።

“ እቲ ናይ ነዊሕ ፍታሕ ማለት ኣብ ዝቕጽል 30 መዓልታት ንኹሎም ወገናት ተኹሲን ነታጊ ምድርባይ ደው ምባል፡ካብ ዶባት ምስሓብ መሰረት ኣብ ዝገበረ ኣብ ዙርያ ናይ ሰላም ጠረጴዛ ክርእዮም ንደልይ፡ እዚ ድማ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ኣብ ስዊድን ክራኸቡን ክዘራረቡን ነቲ ኹናት ደው ከብሉ ከፍቕዱ ዘኽእል’ዩ።”

ሚንስተር ማቲስ ብተወሳኺ ነዚ ኹናት እቲ እንኮ መፍትሒኡ እዚ እዩ ኢሎም።

ቀጺሎም’ውን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐይ ነቲ ብፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ተኹሲ ደው ንምባልን ንናይ ሰላም ዝርርብ ዝቐረበ ሓሳብ ከምዝድግፉ ኣብቲ አጋጣሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ብኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቲ ንዋና ከተማ’ታ ሃገር ወሲኹ ንገለ ክፋል እታ ከተማ ካብቲ ዓለምለኸ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ድሕሪ ምምንዝዖም ዝጀመረ ኹናት ሓድሕድ የመን፡ ኣብ 2015 ብስዑዲ ዝምራሕ ሓይልታት ጥምረት ንፕረዚደንት የመን ዓብዱ ራቡ መንሱር ሓዲ ድጋፍ ንምሃብ ኣንጻር ተቓወምቲ ሑቲ ደብዳብ ነፋርቲ ምጅማሩ ስዒቡ ኣሜሪካ ትርከቦም ካልኦት አካላትን ወታሃደራዊ ድጋፍ ንምሃብ ወታሃደራቶም ኣብታ ሃገር ምውፋሮም ይፍለጥ ።

ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ነቲ ደብዳብ ነፈርቲ ሓይልታት ጥምረት ብትሪ ብምንቓፍ፡ ብሰንኪ’ቲ ደብዳብ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶምን ምቁሳሎም ይገልጹ። ተቓወምቲ ሑቲ ድማ ብጥሕሰት መሰላት ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ከካይድዎ ብዝጸንሑ መጥቓዕቲታት ሚሳይላት ክንቐፉ ጸኒሖም’ዮም።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ማርቲን ግሪፍዝ ንክልቲኦም ተቀናቀንቲ ወገናት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ጀነቫ ክራኸቡ ፈተነ እንተአካየዱ እኳ ተቓወምቲ ሑቲ ውሕስነቶም ከረጋገጹ ከምዘይከአሉ ብምግላጽ ኣብቲ ርክብ ከምዘይተረኽቡ ይፍለጥ።

ኹናት ሓድሕድ የመን ካብ ዝጅመር ኣስታት 10,000 ሰባት ምሟቶምን እታ ሃገር ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት’ቲ ዞባ ክትከውን ዝደረኻ ምኳኑን ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ኣስታት 22 ሚልዮን ሓገዝ ዘልድዮም ሰባት ኣብታ ሃገር ከምዘለው ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG