ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነት ነፈርቲ ካብ በረራ ደው ክብላ ኣዚዛ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ዝፈርይ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኢትዮጵያ ዝወደቐት 157 ሰባት ዝሞትሉ ፍጻመ ስዒቡ ሃገሮም ንቦይንግ 737 ማክስ 8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ካብ በረራ ደው ክብላ ኣዚዞም።

ፕረዚደንት ትራምፕ “ቦይንግ ዓብይ ትካል’ዩ ግን ከአ ደሕንነት ኩሎም ሰባት ቀዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ’ዩ” ኢሎም።

ንቦይንግ 737 ማክስ 8 ካብ ኣገልግሎት ደው ክብላ ዝኣዘዛ ሃገራትን መንገዲ ኣየራትን
ንቦይንግ 737 ማክስ 8 ካብ ኣገልግሎት ደው ክብላ ዝኣዘዛ ሃገራትን መንገዲ ኣየራትን

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብዘጋጠመ ክልተ ሓደጋ ምውዳቕ ነፈርቲ ቦይንግ737: 350 ዝሞቱ ክኾኑ ከለው ዳሕረዋይ ሓደጋ ስዒቡ 14 ሃገራት ቦይንግ 737 ማክስ8 ዝዓይነተን ነፈርቲ ካብ በረራ ደው ክብላ ኣዚዞም ኣለው።

ኣቐዲሞም ፕረዚደንት ትራምፕ ጠንቂ ምውዳቕ ነፋሪት መንገዲ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝፍለጥ ቦይንግ ነፈርቲ ካብ ኣገልግሎት ደው ክብላ ከምዘይእዝዙ ክገልጹ ጸኒሖም ኔሮም።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG