ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ብዝሒ ዘለወን ግዝኣታትን ኣብያተ ንግዲን ማስክ ከገድዳ ጀሚረን


ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ቫይረስ ኮሮና ብምንሃሩ ተወሰኽቲ ግዝኣታትን ኣብያተ-ንግድን ምሽፋን ከገድዳ ጀሚረን። ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኣላባማ ከይ ኣይቪ፥ ትማሊ ረቡዕ ኣብታ ግዝኣት ዳርጋ 50 ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ነበርቲ ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሮም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ክገብሩ ኣዚዙ`ሎ- ። ገዛኢ ሞንታና ስቲቭ ቡላክ`ውን ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ዕጹው ቦታታት ኩሉ ሰብ ማስክ ክገብር ኣዚዙ`ሎ።

ከም ዎልማርት፥ ኣፕል፥ ስታርባክስ፥ በስትባይ፥ ከምኡ`ድማ ካስኮ ዝበላ ዓበይቲ ኣብያተ-ንግዲ ድማ ዓማዊለን ማስክ ክገብሩ ጠሊበን ኣለዋ።

እንተኾነ ገለ ካልኦት ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ድማ፥ ማስክ ምግዳድ ኣይተቐበልዎን። ኣመሓዳሪ ኦክላሃማ ከቨን ስቲት፥ ንባዕሉ`ውን በቲ ቫይረስ ፖስቲቭ ተባሂሉ ከብቅዕ ኣብ ግዝኣቱ ማስክ ምሽፋን ከምዘየገድድ ኣፍሊጡ`ሎ።

ካልእ ብተመሳሳሊ ንነበርቲ ማስክ ምግዳድ ኣየድልን ኢሉ ዝኣመነ ድማ ናይ ፍሎሪዳ ኣመሓዳሪ ራን ደሳንቲስ`ዩ። እታ ግዝኣት 300,000 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት መዝጊባ’ላ።

ብደረጃ ኣሜሪካ፥ ዛጊት ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ልዕሊ 3 ሚልየን ክኾኑ ኸለዉ- ዝሞቱ ልዕሊ 137,000 በጺሖም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG