ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ብብዝሒ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ዓለም ቀዳምነታ ቀጺሉ'ሎ


​ኣሜሪካ ብቁጽሪ ብቫይረስኮሮና ዝተታሕዙ ኾነ ዝሞቱ ንዓለም ቀዳምነት ምሓዛ ቀጺላ’ላ። ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ 4.4 ሚልዮን በጺሖም ኣለዉ ዝሞቱ ድማ 150 ሺሕ ሓሊፎም።ክኢላታት ጥዕና ገለ ግዝኣታት ኣብያተ ንግደን ኣብ ምኽፋት ተሃዊኸን`የን ይብሉ ።

ኣብ ዓለም ብድምር ዝተታሕዙ 17 ሚልየን ክበጽሑ ከለዉ- ዝሞቱ ናብ 670 ሺሕ ይጽግዑ።

ተመራመርቲ ክታበት ንምስራሕ ይጓየዩ ኣለዉ- ቤት-ጽሕፈት ክንክን መግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ፥ ንፈተነ ዝተሰርሐ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ህጹጽ እዋን ኣብ ጠቕሚ ክውዕል ኣብ ውሽጢ`ዘን ዝቕጽላ ሰሙናት ፍቓድ ከም ዝህብ ኣፍሊጡ`ሎ።

እቲ ክታበት ካብ ዝሓወዩ ዝተወስደ ኣንቲ-ቦዲ ፕላዝማ ከምዝኾነ`ዎል ስትሪት ጆርናል ሓቢሩ`ሎ። ኣንቲ-ቦዲ ፥ካብ ስርዓት ምክልኻል ሰብ ዝርከብ ፕሮቲን`ዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ባይቶ ወከልቲ ኣሜሪካ መሸፈኒ ገጽ ናይ ግድን ክጥቀሙ ሓዲሽ መምርሒ ኣውጺኡ’ሎ፥ ኣፈ-ጉባኤ ናንሲ ፐሎሲ፥ ድሕነት ጥዕና ኣባላት ኮንግረስ ክሕሎ ጸቕጢ ክግበረላ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ`ላ።

ፐሎሲ ነቲ መምርሒ ዘመሓላለፈት፥ ኣብ ካፒቶል ሂል ብዘይ ማስክ ዝርኣይ ዝነበረ ኮንግረስማን ሎዊ ጎህመርት ውጽኢት መርመርኡ ፖስቲቭ ምስ ኮነ`ዩ።

ንሱ ግን ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ማስክ ይገብር ስለዝነበርኩ፡ እቲ ቫይረስ ናብቲ ማስከይ መጺኡ ድሕሪኡ ንውሽጢ ብምትንፋሰይ ሒዙኒ ክኸውን ይኽእል`ዩ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG