ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ብስጉምቲ ቻይና ስክፍታ ከምዘለዋ ሚ.ጉዳያት ወጻኢ ገሊጾም


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ርክብ ዋሽንግተንን ቤጂንግን እናሓመቐ ይኸይድ ኣብዘለሉ እዋን ንምዝርራብ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ሃገሮም ብናይ ቻይና ስጉምትታት ‘’ዓብይ ሰኸፍታታት’’ ከምዘለዋ ንናይ ቻይና መዘንኦም ገሊፆምሎም።

‘’መሰረታዊ ዝኾነ ኣፈላላያት ኣለና’’ ኢሎም ፖምፒዮ ንናይ ቻይና ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዋንግ ዪ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ቤጂንግ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ከምዚ ዝበለ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ በሊሕ ቋንቋ ክጥቀሙ ልሙድ ኣይኮነን።

ዋንግ ብወገኖም ኣሜሪካ ኣብ ንግድን ኩነታት ታይዋንን ንናይ ቻይና ቀንዲ ረብሓታት ዝጎድእ ምስ ቻይና ወጥሪ ኣሕይላ ቀፂላቱ’ላ ኣሎ ክብሉ ከሲሶም ኣለው።

እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ዝካየድ ዘሎ ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ቻይና ወታደራዊ ወራር፣ናይ ንግዲ ስርቂ፣መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትፍፅም ኣላ ክብሉ ክስታት ድሕሪ ምቕራቦም ድሕሪ መዓልታት’ዩ።

XS
SM
MD
LG