ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ኣብ ኹናት የመን ሞት ሰላማዊያን ንምንካይ ይሰርሕ ኣሎ ትብል


ኣብ የመን ህይወት ኣሽሓት ኣብ ዘጥፍአን ካልኦት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ድማ ግዳያት ጥምየት ኣብ ዝገበረን ኲናት ብስዑዲ ናይ ዝምራሕ ጥምረትን ዓመፅቲ ሑቲን ተራ ወታደራት ኣሜሪካ ብዝምልከት ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ዝለዓል ቁጥዐ ይውስኽ ምህላው ተገሊጹ።

ኣሜሪካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝሓቖፈ ዘይሻራዊ ጉጅለ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፖምፒዮ ስዑዲ ዓረብን ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝወርድ ጉድኣት ንምንካይ ኣገዳሲ ስጉምቲ ትወስድ ከምዘላን ፖለቲካዊ ፍታሕ ክምዘድልን ከረጋግፁ ክሳብ ሎሚ ረቡዕ ጊዘ ተዋሂቦም ኣሎ።

ሰለስተ ዓመታት ዝገበረ ዘስካሕክሕ ኲናት የመን ቀፂሉ’ሎ።ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረትን ብኣሜሪካ ዝደገፍን ካብ 2014 ጀሚሮም ብኢራን ምስ ዝሕገዝ ሑቲ ክዋግኡ ፀኒሖም ኣለው።ልዕሊ ኩሉ ተጎዳእቲ ድማ ቆልዑት እዮም።

ገለ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ይኣክል ክብሃል ኣለዎ ይብሉ።ካብኦም ሓንቲ ኣባል ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዝኾና ኣባል ኮንግረስ ቱሲ ጋባርድ እየን።

“ሰራዊትና ኣብዚ ፍቓድ ኮንግረስ ዘይብሉ ኲናት ምትእትታው የመን ኣብ ጎኒ ስዑዲ ዓረብ ምዃኖም ሎሚ እውን ቀፂሎም ኣለው።ንብዓት ሓረግፅን መሰረት ዘይብሉ መግለፂን ኣብቂዑ’ሎ።ይኣኽል ማለት ይኣኽል እዩ።ኣሜሪካ ንስዑዲ ዓረብ ምድጋፋ ከብቅዕ ኣለዎ፤ኣብ ዓለም ዕንወት፣ሞትን ስቅያትን ዝውስኽ ጣልቃ ምእታው ኲናት ደው ክብል ኣለዎ።”

ሚንስትር ምልክኻል ኣሜሪካ ጂም ማቲስ ግን ብስዑዲ ንዝመራሕ ደብዳብ ነፈርቲ ተኸላኺሎም።

“ኣብ ጉዳይ የመን መሻርኽትና ስዑዲ ዓረብ ንርእሳ ናይ ምክልኻል ልኡላዊ መሰላ ንድግፍ ኢና፤እቲ ግጭት ንከብቅዕ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምዘድልይ እውን ንርዳእ ኢና።ክልቲኦም ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢን ሚንስተር ምክልኻልን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ግሪፊዝ ብቐረባ ይሰርሑ ኣለው።”

ዋሽንግተን ኣብ ህይወት ዝወርድ ጉድኣትን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቆልዑት ኣብ ልዕሊ ዝፀዓነት ኣውቶቡስ ዝተፈፀመን እንተወሓደ 40 ሰባት ዝቐተለን ዓይነት ልክዑ ዝሓለፎ ደብዳብ ንምንካይ ምስ ስዑዲ ዓረብ ትሰርሕ ከምዘላ እውን ማቲስ ገሊፆም።

ኮንግረስ እቲ ጥምረት ግቡእ ስጉምቲ ይወስድ ምህላው ከረጋግፁ ክሳብ ሎማዕንቲ ረቡዕ ግዜ ተዋሂቡዎ’ሎ።ወሃቢት ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ሄዘር ናውረት ኮንግረስ ብዝኣዘዞ መሰረት ፖምፒዮ ከምዝፍፅሙ ገሊፀን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG