ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ብሰንኪ ዝርግሓ ቫይረስ ኮሮና ገለ ግዝኣታት ተወሳኺ እገዳታት የንብራ ኣለዋ


ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብኮቪድ 19 ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 11 ሚሊዮን ኣብ ዝኣተወሉ ኣመሓደርቲ ብርክት ዝበላ ክፍለ ግዝኣታት ምስፍሕፋሕ ቫይረስኮሮና ንምዕጋት ሓደሽቲ እገዳታት የንብሩ ኣለው።

ኣማሓዳሪት ሚቺጋን ግረቸን ዋይትመር ብልዒ ኣብ ውሽጢ ኣብያተ መግቢ፣ምምሃር ኣብ ክፍሊ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርትን ኮለጃትን፣ መፃወቲ ቁማርን እንዳ ትያትራትን ኣጊደን ኣለዋ።ኣብ ናይ ውልቂ መንበሪ ኣባይቲ እውን ምእካብ ዝክኣል ዓሰርተ ሰብ ጥራሕ እዩ።

ኣማሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግተን ጀይ ኢንስሊ እውን ኣብ ኣብያተ መግቢ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ዝወሰዱ ክኾኑ ከለው ኣቑሑት መሸጢ መደብራት 25 ሚእታዊ ዓማዊል ከተናግዳ ኣዚዞም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣሜሪካ መዓልታዊ ብኮቪድ 19 ዝትሓዙ ሰባት ብማእኸላይ ገምጋም150,000 ክትምዝግብ ቀኒያ ኣላ። ኣሜሪካ ብብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ዛጊት ልዕሊ 246,000 ሰባት መዝጊባ ኣላ።

ክኢላታት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ትማሊ ሰንበት ከምዝገለፁዎ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ብጆ ባይደን ምስዓሮም ዘይምቅባሎም ሰበስልጣን ባይደን ነቲ ለበዳ ንምምካት ዘኽእሎም ቀንዲ መረዳእታ ከይረኽቡ ገይሩዎም ኣሎ።

ካብ ናይ ባይደን ናይ ኮቪድ 19 ኣማኸርቲ ዶክተር ኣቱል ጋዋንደ እቲ ናይ መሰጋገሪ ጉጅለ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ኮቪድን ካልኦት ተኣሳሰርቲ ጉዳያትን ሓበሬታ ክረክብ ንሃገራዊ ረብሓ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG