ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ብሩንዲ ኣብ ልዕሊ መደበራት ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካንን ቢቢሲን ዝወሰደቶ ውሳነ ምቁራጽ ፈነወ ክትስርዝ ጸዊዓ


ዳይሬክተር ሃገራዊ መደበር ቴሌቭዥንን ሬድዮን ብሩንዲ - ፋይል
ዳይሬክተር ሃገራዊ መደበር ቴሌቭዥንን ሬድዮን ብሩንዲ - ፋይል

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሩንዲ ንፈነወ መደበራት ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካን ቢቢሲን ክቋረጽ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ክትስርዝን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝመጽእ ምርጫ 2020 ብነጻ ክንቀሳቀሱ ከተፍቕድን ትማሊ ሶሉስ ጸዊዑ።

“እዚ ውሳነ ኣብ ዓንቀጽ 31 ቅዋም ሃገረ ብሩንዲን ኣብ ናይታ ሃገር ሓላፍነት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰፈረ ሓሳብካ ብነጻነት ምግላጽ ዝግህስ ብምዃኑ ልዑል ስክፍታ ኣለና” ክብል ወሃቢ ቃል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሮበርት ፓላዲኖ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ “ መንግስቲ ብሩንዲ ነዚ ውሳነ ክስርዝን ጋዜጠኛታት ካብ ምፍርራህ ነጻ ዝኾነ ሃዋህው ክሰርሑ ክኽእሉ ንጽውዕ” ኢሉ።

ፈነወ ክልቲኦም መደበራት ሬድዮ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት ደው ምባሉ ይዝከር።

ፕረዚንደት ፔር ኑኩሪዚዛ ንሳልሳይ ጊዜ ኣብ ምርጫ ፕረዚደንት ከምዝወዳደር ኣብ 2015 ድሕሪ ምእዋጁ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብሩንዳዊያን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብዝተላዕለ ግጭት ምሟቶምን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ድማ ነታ ሃገር ገዲፎም ምስዳዶም ይፍለጥ። ተቓወምቲ ብወገኖም እዚ ውሳነ ንቅዋም’ታ ሃገር ዝጥህስ’ዩ ይብል።

ዝሓለፈ ግንቦት ዝተኻየደ ሪፈረንደም ፕረዚደንት ኒኩሪዚዛ ክሳብ 2034 ኣብ መዝነት ክጸንሑ ዘፍቕድ ሕጊ ምጽዳቑ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG