ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ‘ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክወጽእ ኣለዎ’ ኢላ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ናብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝለአኾ ኢ-ሜል "ስርቂ፣ ጾታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ስደተኛታትን ካልኦት መግሃስታት መሰላት ከምዝተፈጸሙ ዝሕብሩ ተኣማኒ ሪፖርታት ኣለው"ኢሉ። እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ "ወትሃደራት ኤርትራ፣ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኤርትራ ንስደተኛታት ኣገዲዶም ከምዝመለስዎም ዘርእዩ ጭብጢታት ኣለው" ይብል።

እቲ ውግእ ክጅምር ከሎ፣ ንኤርትራ "ዓቅሊ ስለዝገበረት ኢሉ" ካብ ዘሞገሰ ምምሕዳር ትራምፕ፣ ሓድሽ መርገጺ ኣሜሪካ፣ መሰረታዊ ለውጢ ምግባሩ ሓባሪ እዩ።

እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ፣ ውግእ ትግራይ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዝመልአሉ ጊዜ፣ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ካልኦት ተዋሳእቲን ሓድሽ ጸቅጢ የሕድር ከምዘሎ’ውን ዘርኢ እዩ።

ካብ ትግራይ ኣብ’ዚ ቀረባ ዝወጹ ምስክራት ከምዝበልዎ "ወትሃደራት ኤርትራ፣ እናሰረቁ፣ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናኸዱ ንመናእሰይ እንትቀትሉ፣ ካብኡ ሓሊፎም ከባቢያዊ ኣማሓደርቲ ኮይኖም ከምዝራኣዩን" ገሊጾም።

ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝዋግኡን ንዝሃደሙ መራሕቲ ክልል ትግራይ ይሃድኑ ከምዝጸንሑን’ውን እቲ ዜና ይሕብር። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ህላዌ ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ኣይቅበሎን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።

ኣሜሪካ ‘ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብህጹጽ ክወጽእ ኣለዎ’ ኢላ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:59 0:00


XS
SM
MD
LG