ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ: ምስ ምልኣኽ ጥቅላል መልእኽትታት ብዝተሓሓዝ ሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ተገሊጹ


ናይ ኣሜሪካ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ናይ ቀደም ፕረዚዳንት ባራክ ኦባማን ንፕረዚዳንት ትራምፕ ዝነቕፉ ፍሉጣት ኣባላት ዲሞክራሲያዊ ፓርትንዘጠራጥር ጥቕሉል መልእኽትታት ዝለኣኹ ብሙሉእ ናይቲ ሕጊ ሓይሊ ክቕፅዑ እዮም ኢሎም።

‘’እዞም ኣሸበርቲ ተግባራት ሕሱራትን ኣብ ሃገርና ቦታ ዘይብሎምን እዮም “ ክብሉ ኣብ ዋይት ሃውስ ዋዕላ መሪሕነት ፀለምቲ መናእሰይ ንዝተኣከቡ መናእሰይ መንእሰያት ተዛሪቦም። ‘’ኣብ ኣሜሪካ ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ህውከት ሱር ክሰድድ ክንፈቅድ የብልናን’’ኢሎም።

ፌደራል ሰበስልጣን ምስ ምልኣኽ ጥርጡራት ዝተጠቕለሉ መልእኽትታ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ንሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒሎም ኣለው።እቲ ጥርጡር 56 ዓመት ዝዕድሚኡ ሪፓብሊካዊ ምዝጉብ ኣድማፂ ቄሳር ኣልተሪ ሳዮክ ጁኒየር እዩ።

XS
SM
MD
LG