ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ሓድሽ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ገጢምዋ'ሎ


ብሰንኪ ሓድሽ ዴልታ ዝተባህለ ዓይነት ቫይረስኮሮናን ኣብ ብርክት ዝበላ ክፍለ ግዝኣታት ትሑት ምውሳድ ክታበትን ኣሜሪካ ሓዱሽ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስኮረና ገጢሙዋ ኣሎ።

ኮቪድ 19 ብቅልጡፍ ይስፍሕፋሓለን ካብ ዘለዋ ዓሰርተታት ክፍለ ግዝኣታት ሚዞሪ ኣብታ ሃገር ዝተሓተ መጠን ክታበት ካብዘለወን ክፍለ ግዝኣታት ሓንቲ እያ።ኣስታት 45 ሚእታዊት ነበርቲ እንተወሓደ ሓደሻዕ ክታበት ወሲዶም ኣለው።

ምምሕዳር ባይደን ኣብ ሚዞሪ ዘሎ ዝኸፍአ ኩነታት ንምምሕያሽ ንፃዕርታት ምርመራን ክታበትን ንምምላእ ንሰበስልጣን'ቲ ከባቢ ዝሕግዝ ሓደ ናይ ግብረ መልሲ ጉጅለ ኣጣይሾም ኣለው።

ብኻልእ ዜና ብሰንኪ እዚ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስኮሮና ዴልታ ነበርቲ ከተማ ስድኒ ኣውስትራልያ ንኻሊእ ክልተ ሰሙናት ተዓፂዮም ክቕፅሉ እዮም።ዛጊት በዚ ሓድሽ ምስፍሕፋሕ ኮቪድ19 ክልተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለው።

XS
SM
MD
LG