ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ሊብያ ነዳዲ ምፍራይ ዳግም ክትጅምር ጻውዒት ኣቕሪባ


ፋይል
ፋይል

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሊብያ ምፍራይ ነዳዲ ሊብያ ዳግማይ ስርሑ ክጅምር ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ። እቲ ኤምባሲ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ መራሒ ተቓወምቲ ከሊፋ ሂፍጠር ንዓበይቲ መፍረይ ነዳዲን ንገለ ምዝርጋሕ ነዳዲ’ ታ ሃገር ምዕጻው ስዒቡ’ዩ።

ብከሊፋ ሂፍጠር ዝምራሕ ሰራዊት ንመብዛሕትኡ መዓደሊ ነዳዲ ዝዓጸዉ መዓልታት ቕድሚ እቲ ሰንበት ዝጅመረ ኮንፈረስ ሰላም ሊብያ ኣብ በርሊን’ዩ።

ናይታ ሃገር ሃገራዊ ኮርፖረሽን ነዳዲ እዚ ምዕጻው ምፍራይን ምዝርጋሕን ነዳዲ ነታ ሃገር መዓልታዊ 55 ሚልዮን ዶላር ኪሳራ ከምዘምጸአላ ገሊጹ’ሎ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሊብያ እቲ ኩነታት “ከምዘተሓሳሰቦ” ብምግላጽ እዚ ምዕጻው ነቲ ሰብኣዊ ኩነታት’ታ ሃገር’ውን ዘጋድድ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ዋላ’ዃ ካብ ሊብያ ዝርከብ ፍርያት ነዳዲ እንተዘየሎ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ሎሚ ሶሉስ ምጉዳሉ ተገሊጹ’ሎ።

ብከሊፋ ሂፍጠር ዝምራሕ ሰራዊት ብወገኑ ናብቲ ብሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ዝድገፍ መንግስቲ’ታ ሃገር ናብ ዝርከበሉ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ይስግስግስ ምህላው ተሓቢሩ’ሎ።

ክልቲ ም ወገናት ኣብ ዋዕላ ናይ በርሊን ኣይተዘራረቡን ካልኦት ተሳተፍቲ’ቲ ዋዕላ ግን ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንዘሎ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕን ኣቐዲሙ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ ዝተነበረ እገዳ ኣጽዋር ክጸንሕ ደገፎም ገሊጾም ኣለው።

ይኹን ደአ እምበር ቱርኪ ንመንግስቲ ሊብያ ሓገዝ ንምሃብ ሰራዊታ ናብታ ሃገር ዝለአኸት ክትከውን ከላ ሂፍጠር ድማ ሓገዝ ዕሱባት ወታሃደራት ሩስያ ከምዘለዎ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG