ዋሽንግተን —
ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ፡ ብሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ተቐቢሉ ከምዘዘራረቦ ብወግዓዊ ትዊተሩ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።
ቲቦር ናጅ ኣብ`ቲ መልእኽቱ፡ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም፡ ጸጥታን ብልጽግናን ኣብ ምስፋሕ ኣገዳሲ ተራ ኣለዋ ኢሉ።
ኣተሓሒዙ፡ እቲ ኣብ`ቲ ዞባ ዝቕጽል ዘሎ ለውጢ፡ ንህዝቢ ኤርትራን ኪነዉን ርግኣትን ዕድላትን ከምጽእ ይኽእል`ዩ ኢሉ።
ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ዑስማን ሳልሕ ምስ ሓላፊ ጉዳይ ኣፍሪቃ ቲቦር ናጅ ኣብ ዋሽንግተን ምርኻቡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ብምስታፍ ዝሓለፈ ቀዳም ነቲ ጉባኤ መደረ ከምዘስምዐ ይፍለጥ።
ሚንስተር ዑስማን ኣብ`ቲ መደርኡ፡ ህዝቢ ኤርትራ ማዕቀብ ክልዓለሉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንዝወረዶ በደል`ውን ካሕሳ ከምዝሓትት ኣፍሊጡ ኔሩ።