ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊ ሰነተር ጂም ኢንሆፍ ኣብ አዲስ አበባ ምብጻሕ የካይዱ ምህላዎም ተገሊጹ


ኣሜሪካዊ ሪፓብሊካን ሰነተር ጂም ኢንሆፍ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ "ፈታዊ ኢትዮጵያ ሰነተር ጂም ኢንሆፍ ናብ ካልአይቲ ዓዶም ዝኾነት ኢትዮጵያ እንቋዕ ደሓን መጹ " ኢሉ`ሎ።

ሰነተር ጂም ኢንሆፍ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ኣሜ​ሪካ ዘሕለፈቶ ናይ ቪዛ እገዳ ኣመልኪቱ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ​ ክዛረብ ከሎ፡ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘሕለፎ ናይ ቪዛ እገዳ እቃዎሞ`የ ድሕሪ ምባል፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ`ቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ሓደ መስርዕ ንምቕማጥ ምፍታን ተቐባልነት የብሉን ኢሉ ኔሩ።

ሰነተር ጂም ኢንሆፍ ብተወሳኺ`ውን 'መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩሎም ሰለማዊ ፍታሓት ኣብ ምምጻእ ኣብ ምስራሕ`ዩ ዝርከብ ዘሎ- ሰላምን ሓድነትን ካብ ምምጻእ ወጻኢ ካልእ ኣካይዳ ኣይከደን ምባሉ ተሓቢሩ`ሎ።

ዕላማ መገሻ ሰነተር ኢንሆፍ ኮነ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸደ ብውልቁ ይኹን ብወግዓዊ ተልእኮ ዝተገልጸ ነገር የለን- ሓበረታ ምስ ረኽብና ክነቕርበልኩም ኢና።

XS
SM
MD
LG