ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊያን ኣባላት ኣብያተ ምኽሪ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት ርእይቶ ሂቦም


ኣሜሪካዊያን ሴነተር ባብ ሜንደዝን ኮንግረስማን ግሪጎርይ ሚክስን ናብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዘቅረብዎ ጻውዒት "ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣጽዋር፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፋይናንሳዊ እገዳ ንክትግበር" ጸዊዖም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ"ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብህዝባዊ ተቃውሞ ተደጊፎም ናብ ስልጣን ክመጹ ከለው ኣብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዘለና ኩላትና፣ ኢትዮጵያ ናብ ጎደና ዴሞክራሲ ክትበቅዕ እያ ዝብል ምትእምማን ነይሩና፣ እቲ ዘሕዝን ግና፣ ተስፋና በኒኖም ተሪፎም" ይብሉ እቶም ።

ቀዲሙ ክስራዕ ዘለዎ ምውጻእ ወትሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ እዩ። ፕረዚደንት ባይደን ምስ ዝረዳድእዎም መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ኮይኖም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣጽዋር እገዳ ንክትግበር ክሰርሑሉ’ውን ኣተባቢዖም።

ተመሳሳሊ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዊያን’ውን ንክውሰድ፣ ካብ ዓለምለኻዊ ትካላት ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውሕዝ ገንዘብ ንክቋረጽ’ውን ምምሕዳር ኣሜሪካ ንክዓየሉ ጸዊዖም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ መድረኽ ሴነት ኣሜሪካ መደረ ዘስምዑ ሴነተር ጂም ኢንሆፍ "ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንሰበ ስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ቪዛ እገዳ ከምዝገበረ ምስ ጠቀሱ ከምዝቃወምዎ" ሓቢሮም።

ሴነተር ኢንሆፍ ኣብ ዘረበኦም "ጉጅለ ራዕዲ ዝተባሃለ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብማዕረ ምርኣይ ተቀባልነት ዘይብሉን ጌጋን እዩ፣ ዘቁጥዕ’ውን እዩ" ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::


XS
SM
MD
LG