ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካን ጀርመንን ኣብ ጉዳይ መስመር ቱቦ ጋዝ ሩስያ ኣይተሰማምዓን


ጀርመን፡ ካብ ሩስያ ብቐጥታ ባህርያዊ ጋዝ ንምዕዳግ ኣብ እትሰርሖ ዘላ ነዊሕ መስመር “ኣብ መንጎ ክልተ ኣዕሩኽ ዘሎ” ፍልልይ ክብሉ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብቲ ምስ መዛንኦም ቀዳመይቲ ሚንስተር ጀርመን ኣንገላ ማርከል ዝገበሩዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቦም።

ጀርመን፡ ካብ ሩስያ ባህርያዊ ጋዛ ብምዕዳግ፡ ኣስታት 11 ቢልዮን ዶላር ዝወደአ ቱቦ ንምስራሕ ኣብ ኣጋ-ምምዛም ትርከብ። እዚ መደብ’ዚ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ዩክሬን ትረኽቦ ዝነበረት ናይ መሰጋገሪ ግብሪ ክተርፍ ብምዃኑ፡ ኣብ ቁጠባ’ታ ሃገር ከቢድ ሃስያ ከየውርድ ስግኣት ኣሎ። እታ መሓዛ ኣሜሪካን ምዕራብን ዝዀነት ዩክረይን ኣምሳያኣ ከይትህሰ ብወገን ምዕራብ ከቢድ ሻቕሎት ደኣ ይሃሉ እምበር፡ ጀርመን ግን ናይ ረብሓ ርክብ ደኣ’ምበር ንሩስያ መሓዛኣ ከም ዘይትርእያን መስመር ዝምድና ከም ዘይትልውጥን ትገልጽ ኣላ።

ምስ ጀርመን ኣብ ዝተሓሓዝ ካልእ ዜና፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ’ታ ሃገር ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ፡ 100 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ ካልኦት 1,300 ድማ ገና ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ፡ ኣገልግሎት ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ሰብ-መዚ ሜትሮሎጂ ጀርመን፡ ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ንዝሓለፈ 100 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ መጠን ዝናብ ምህራሙ ገሊጾም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG