ዋሽንግተን —
ኣብ መንጎ ኣሜሪካንን ቻይናን ኣብ ሻንጋይ ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ናይ ንግዲ ልዝብ ኣብ ዋሽንግተን ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ንምቕጻል ብምስምማዕ ተዛዚሙ።
ዋይት ሃውስ እቲ ልዝብ ሃናፂ ነይሩ ክብል ዘፍለጠ ኽከውን ከሎ: ካብ መዘራረቢ ነጥብታት ድማ ‘’ ግዱድ ምትሕልላፍ ቴክኖሎጂ፣መሰል ዋንነት ፍልጠት፣ኣገልግሎት፣ቀረጽ ኣልቦ እገዳታትን ሕርሻን’’ ዝብሉን ይርከቡዎም።
‘’ብወገን ቻይናዊያን ናይ ኣሜሪካ ሰደድ ሕርሻ ምግዝኦም ከምዝውስኹ ኣረጋጊፀሙልና ኣለው ‘’ ክብል ዋይት ሃውስ ሓቢሩ ሎ።
ናይ ቻይና ወግዓዊ ኣገልግሎት ዜና ሽንዋ እቲ ዝርርብ ‘’ቅኑዕ፣ልዑል ፅፈትን ሃናጽን’’ ነይሩ ክብል ገሊጽዎ’ሎ።