ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካን ሱዳንን ድሕሪ 23 ዓመታት ኣምባሳደራት ከምዝለዋወጣ ተገሊጹ


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐይ
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐይ

ኣሜሪካን ሱዳንን ድሕሪ 23 ዓመታት ንመጀመርያ ጊዜ ኣምባሳደራት ከምዝለዋወጣ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፓምፐይ ገሊጾም።

እዚ ዝተፈልጠ ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካይድሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ፓምፐይ “ እቲ ስጉምቲ ኣብ ምሕያል ክልቲኣዊ ዝምድና ሱዳንን ኣሜሪካን ትርጉም ዘለዎ’ዩ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ብሲቪላዊ መሪሕነት ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዝተአታተወ ሰፊሕ ለውጢ ንምትግባር ኣብ ዝጸዕረሉ እዋን” ክብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ንሶም ብተወሳኺ ክልቲኣን ሃገራት ኣማባሳደራት ንምልውዋጥ ዘድልይ መስርሕ ከምዝጅምራ ገሊጾም።

ቀ/ሚ ሃምዶክ ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዘካየድዎ ምብጻሕ ሃገሮም ናብ ዲሞክራሲ ኣብ ትሰጋገረሉ እዋን ሓገዝ ከምዘድልያ ገሊጾም ኣለው።

ንሶም ብተወሳኺ ንሃገሮም ካብቲ ናብ ኣሜሪካ ዝርዝር ግብረሽበራ ዝድግፋ ሃገራት ንምውጻእ ዘለዎም ተስፋ ሓቢሮም ኣለው።

ሚንስትር ፓምፐይ ብወገኖም ሱዳን ብሲቪላዊ መሪሕነት ዝመሓደር ካቢነ ንምምስራት ምኽኣላን ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ንምክያድ ዘለዋ ተበግሶም ንኢዶም።

ኣሜሪካ ኣብ ዋና ከተማ ካርቱም ዝነበረ ኤምባሲኣ ብሰንኪ ስግኣት ግብረ ሽበራ ኣብ 1996 ምዕጻዋ ይፍለጥ።

ድሒሩ ኣሜሪካ ኣብ ካርቱም ዝነበረ ኤምባሲኣ ኣብ 2002 እንተኸፈተት’ኳ ኣምባሳደር ግን ከይመዘዘት ጸኒሓ’ያ።

XS
SM
MD
LG