ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ምዝርራቦም ተገሊጹ


ኣሜሪካን አውሮጳዊ ሕብረትን ትማሊ ሓሙስ አብ ዘካየድዎ ሓባራዊ ናይ ቪድዮ ኮንፈረንስ፣ ቀንዲ መዘራረቢኦም፣ እቲ አብ ትግራይ ይምዕብል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተሳተፋ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አምባሳደር ቶማስ ሊንዳ ግሪንፍልድ "ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ጥምየት ንከጋጥም ኣይከፍቅድን’ዩ" ክብላ ዘረበኣን ጀሚረን።

እተን አምባሳደር ወሲኸን "ብኩነታት እቶም ንጉዳይ ትግራይ ናይ ስቅታ ግብረ መልሲ ሂቦም ዝበለኦም ኣባላት ቤት ምኽሪ ቁጠዐ ዝተሓወሶ ርእይቶ ኣብ ዝሃባሉ እዋን "እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ትግራይ ውግእ ደው ንክብል መታን ነቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓቅሚ ክጥቀም ኣይካኣለን" ከምዝበላ ወኪልና ጠቂሳ።

አብ’ቲ ኣኼባ ዝቀረበ ቪድዮ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣከታቲሎም ንዘጋጠሙ ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝገለጸ እዩ ነይሩ። ዳይረክተር ወፍሪ ስራሕ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ማርያ ሳንታ ማርያ፣ "ኣንበጣ በረኻ ነቶም ናይ ደርቂ ሓደጋ ዘስገኦም ገለ ከባቢታት ኣጥቂዑ እዩ። ምስ’ቲ ውግእ ተደሚሩ ድማ ዝመጸ ምቁራጽ ስርዓተ ጥዕና ኣሎ። ዕዳጋታት’ውን የለውን። ሓረስቶት ዘርኢን ድኹዒን ስለዘይብሎም ክሓርሱ ኣይካኣሉን። ሰላም’ውን የለን። እዚ ማለት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ህዝቢ ንርእሱ ክሳብ ዝኽእል ሓገዝ ከቅርብ እዩ።"

350 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት፣ መሊኦም ናብ ጥምየት ዘይወደቊ፣ 2 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ኣብ ውሕስና መግቢ ዘይብሉ ደረጃ ከምዝርከቡ ኣብ’ቲ መድረኽ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ኣምሓራን ካልኦትን’ውን ከቢድ ኩነታት ከምከምዘጋጠመ ዝገልጹ ተሳተፍቲ’ቲ ኣኼባ፣ ብሰንኪ ድርቂን ወራር ኣንበጣን ብሓፈሽኡ 16 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ጸገም ውሕስና መግቢ ኣጓንፍዎም ኣሎ ኢሎም።

ናይ ኒውዮርክ ድምጺ ኣሜሪካናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ኣባላት ጉጅለ 7 (ጂ 7) ኣብ ዝራኸብሉ እዋን "ኩነታት ትግራይ ኣብ ኣጀንደኦም ከምዘካትትዎ’ ገሊጾም’ዮም" ትብል ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዝዝርገሖ መግለጺ "ኣብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ዝነብሩ ሰባት ንሓደጋ ጥምየት ተቃሊዖም ዝብሉ ዝቃልሑ ሓበሬታታት፣ ኣብ ባይታ ንዘሎ ኩነታት ዘንጸባርቁ ኣይኮኑን" ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG