ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካን ህንድን ብሰንኪ ዳግማይ ናህሪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፥ ዳግመ-እገዳ ምንባረን ተገሊጹ


ኣሜሪካን ህንድን ብሰንኪ ዳግማይ ናህሪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፥ ዳግመ-እገዳ ብምግባር ተጠቀስቲ ኮይነን ኣለዋ። ህንዲ ሎሚ ኣቐዲሙ ዝነበረ መዝገብ ዝሰበረ ቁጽሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ክትምዝግብ ከላ ገለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ድማ ከፊተንኦ ዝነበራ ቦታታት ከይተረፈ ክዓጽዋ ጀሚረን ኣለዋ። ብራዚልን ሩስያን`ውን ናህሪ`ቲ ለበዳ ዝረኣየለን ኮይነን ቀጺለን ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ሃብታማት ሃገራት`ውን ኣዝዩ በዳሂ ኮይኑ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና- ኣብተን ድኻታት ሃገራት ድማ ሳዕቤኑ ዘፍርሕ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ደቡባዊ የመን፡ ንሕሙማት ኮቪድ 19 ምሕካም`ኳ ኣይተኻእለን። ኣብ ዞባ ዳርፉር፡ ካልእ ንኮቪድ 19 ዝመሳሰል ሕማም ኣብ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ዝርከቡሉ ካምፕታት ምርኣዩ ኣሻቓሊ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ህንድን ፓኪስታንን፥ ብዝተራእየ ከቢድ ድኽነት ፥ ኣብ ገዛ ምዕጻው ኣማራጺ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

እንተኾነ በንጻሩ ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ፥ገለ ድኻ ዝብሃላ ሃገራት ፥ ልዕሊ`ተን ምዕቡላት ዝብሃላ ሃገራት ዓለም-ዝተዓወታ ከምዘለዋ`ውን ይግለጽ ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG