ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ፕረ. ትራምፕ ጆን ቦልተን ካብ መዝነቶም ለቂቖም


ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢራን ናይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ጆን ቦልተን ካብ መዝነቶም ምውራዶም ምምሕዳር ትራምፕ ምስ ኢራን ብዝሓሸ ኣገባብ ክራኸቡ ክኽእሎ ይኽእል እዩ ኢሎም ።

ዓሊ ራቢየይ ሎሚ ረቡዕ ኣብዝሃብዎ ቃል ቦልተን ምልክት ረፅሚ ፖሊስታት ኣሜሪካ እዮም ኢሎም።

ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮ ትራምፕ ንቦልተን ካብ ስልጣን ምብራሮም ናይቶም ፕረዚደንት ፖሊሲ ወፃኢ ጉዳያት ኣይቕይሮን ኢሎም።

‘ጆን ቦልተን ድሕሪ ደጊም ኣብ ዋይት ሃውስ ተደላዪ ከምዘይኮነ ትማሊ ምሸት ሓቢረሉ ኣለኹ’ኢሎም ትራምፕ ትማሊ ኣብ ዝፀሓፉዎ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ብምቕፃል ‘ምስ መብዛሕቲኦም ሓሳባቱ ሓያል ኣፈላላይ ኣለኒ።ስለዚ ስልጣኑ ክለቅቕ ሓቲተዮ ሎሚ ንጉሆ መልቀቒ ኣቕሪቡለይ ኣሎ’’ኢሎም።

ቦልተን ብቕፅበት ኣብዝሃብዎ መልሲ ግን ‘ካብ ስልጣነይ ክወርድ ትማሊ ምሽተ ንፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓተትኩዎም ኣነ ባዕለይ እየ’’ኢሎም።

XS
SM
MD
LG