ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕ/ኣፍሪቃን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘትዮም


ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ)
ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ)

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጃክ ሱሊቫን፣ ምስ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመት ምዝርራቦምን፣ ፕረዚደንት ባይደን ንኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘለዎም ተገዳስነት ከምዝገለጽሎም ተፈሊጡ።

ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ብመሰረት ዝዘርገሖ መግለጺ ክልቲኦም ወገናት፣ ዓለምለኸ ፈተናታት ንምብዳህ ከም ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ዝኣመሰሉ ውዳበታት ዘለዎም ኣገዳስነት ኣልዒሎም ዘትዮም ይብል።

እቲ መግለጺ ሚስተር ሱሊቫን ኣብ ዘረብኡ ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝዘርጋሕናዮም ሸቶታት ንምዕዋት፣ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ተሓጋጊዛ ንምስራሕ ቅርብቲ’ያ ከምዝበሉ ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ቡርኪናፋሶ፣ ማሊን ዲሞክራሲ ንክስፍን ፣ ኣብ ሱዳንን ቻድን ዝተጀመረ ስግግር ንክዕወት፣ ሰላምን ህድኣትን ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ንክሰፍን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ሓቢረን ክሰርሓ ከምዝኽእላ መግለጺ ዋይት ሃውስ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG