ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣማኸርቲ ሕ/ሃ  ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኹናት ሻቅሎተን ገሊጸን


ፍልይቲ ኣማኻሪት ሕቡራት ሃገራት ምክልኻል ጅምላዊ ህልቂት ከምኡውን ፍልይቲ ኣማኻሪት ሕ/ሃ ንምኽልካል ህልቂት ንፕራሚላ ፓተንን ኬረን ስሚስን
ፍልይቲ ኣማኻሪት ሕቡራት ሃገራት ምክልኻል ጅምላዊ ህልቂት ከምኡውን ፍልይቲ ኣማኻሪት ሕ/ሃ ንምኽልካል ህልቂት ንፕራሚላ ፓተንን ኬረን ስሚስን

ፍልይቲ ኣማኻሪት ሕቡራት ሃገራት ምክልኻል ጅምላዊ ህልቂት ከምኡውን ፍልይቲ ኣማኻሪት ሕ/ሃ ንምኽልካል ህልቂት ንፕራሚላ ፓተንን ኬረን ስሚስን በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ውጥረትን ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኹናትን ዓሚቅ ሻቅሎት ከምዝሓደረን ገሊጸን።

ፕራሚላ ፓተንን ኬረን ስሚስን ብሓባር ኣብ ዘውጸአኦ መግለጺ ‘ሃይማኖታዊን ዓሌታዊን ዘረባ ጽልኣት ዝሕብሩ ሪፖርታት ከምዝበጽሐን፣ ንዓመጽ ምልዕዓላት፣ ከበድቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብሃውሪ ምእሳር፣ ምቅታል፣ ምፍንቃልን ዕንወት ንብረትን ኣብ መላእ እታ ሃገር ከምዝተፈጸመን ጠቂሰን።

ንሳተን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብዓሌቶምን ሃይማኖቶምን ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ብብርቱዕ ዝኹነኑ እዮም ኢለን።

እተን ፍሉያት ኣማኸርቲ ሕ/ሃ ወሲኸን፣ አብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዓሌታዊ ጽልኣትን መጥቃዕቲን ሰማይ ዓሪጎም ኣለው። ኣብ ልዕሊ ተጋሩ፣ ኣምሓሩ፣ ሶማሌን ኦሮሞን ዝቀንዐ ጽልኣትን መድልዎን፣ ኣብ’ታ ሃገር ዓሌታዊ ዘይምክእኣል ፈጢሩ ኣሎ ይብላ።

እዚ ክስተት’ዚ፣ ንሃገራዊን ዞባዊን ህውከት ኣበርክቶ ይገብር ስለዘሎ፣ ብቅጽበት ደው ክብልን ናብ ዝኸፍአ ጸገም ቅድሚ ምዕራጉ ፍታሕ ንክግበረሉን’ ጸዊዔን ።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ብወገኑ፣ ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ዘሎ ኹናት፣ ድሕነት ቆልዑ ከምዘስግኦ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ወሲኹ፣ ኣብ’ቲ ውግእ ዝሳተፉ ኩሎም ወገናት፣ ንዓለም ለኸ ሕጊ ንክኽተሉን፣ ንህጻናት ክኸታተሉን’ ጸዊዑ።

ኩሎም ወገናት፣ ዓለምለኻዊ ትካላት ናብ’ቲ ከባቢ ብዘይገደብ ንክበጽሑ ከሐግዙን ናብ ሰላማዊያን ሰባትን ናብ ቆልዑን መሰረታዊ ቀረባት ንከባጽሑን ኣዘኻኺሩ።

XS
SM
MD
LG