ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣማባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ኣብ ኤርትራ ዑደት ይፍፅሙ ከምዘለው ምንጭታት ኤምባሲ ኣሜሪካ ገሊፆም


ኣማባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ
ኣማባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ

ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣማባሳደር ዶናልድ ያማሞቶ ኣብ ኤርትራ ዑደት ይፍፅሙ ከምዘለው ምንጭታት ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ ገሊፆም።

ትማሊ ሰንበት ኣስመራ ዝኣተው ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ሓደ ሰሙን ዑደት ከምዝፍፅሙ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ገሊፁ ነይሩ።

ዕላማ ትማሊ ሰንበት ዝጀመረ ናይ ኤርትራ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደቶም ‘’ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ሓባራዊ ምኽክር ምክያድ፣ምስ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ኣብ ኣስመራ ምስ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ንምርኻብን እዩ’’ መግለፂ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ይብል ።

እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ‘’ንልኡኽ ኣሜሪካ ብምምራሕ ካብ 24 ክሳብ 25 ሚያዚያ ኣብ ጁብቲ ኣብዝካየድ ክልትኣዊ መድረኽ ኣሜሪካ ጁብትን ክሳተፉ እዮም።ኣብቲ ዓመታዊ ዘተ ፖለቲካዊ፣ቁጠባዊ፣ሓገዝን ፀጥታን ዝምልከቱ ጉዳያት ክልዓሉ እዮም’’ ይብል ።

ኣምባሳደር ያማሞቶ ኣብ መወዳእታ 26 ሚያዚያ 2018 ዓ .ም ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ብምፍፃም ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ብምርኻብ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታትን ስኽፍትታትን ክዝትዩ ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ንምምፃእ ክዘራረብሉ ምዃኖም ዝተውሃበ መግለፂ’ዃ እንተዘይሃለወ ያማሞቶ ኣብ 2017ዓ.ም ኣብቲ ከባቢ ዑደት ኣብዝፈፀምሉ እዋን ብዛዕባ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተሓቲቶም ከምዚ ኢሎም ነይሮም።

‘’ዝለዓለ ወጥሪ ንዘለዎ ነዊሕ ናይ ዶብ ኲናትን ምስሕሓብን ንምፍታሕ ንፍትን ኢና ዘለና።ኣሜሪካ ነዚ ድልውቲ እያ፤ምኽንያቱ ኢትዮጵያን ኤርትራን እውን ንቕድሚት ዘሰጉም መንገዲ ንምውሳድ ድልዋት እየን።ስለዚ መፍትሒ ክነናዲ ኢና’’ኢሎም ነይሮም ።

XS
SM
MD
LG