ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመራርሓ ደምህት ከተማ መቐለ ኣትዮም


ልዕሊ ክልተ ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ እዮም ክብሉ ኣቦ መንበር እቲ ምንቅስቓስ ኣይተ መኮነን ተስፋይ ተዛሪቦም።

ኣመራርሓ እቲ ምንቅስቓስ ሎሚ ሶኑይ ከተማ መቐለ ኣብ ዝኣተውሉ ኣቀባብላ ተገይርሎም ኣሎ።

ኣይተ መኮነን ከምዝተዛረብዎ ኣባላት ሰራዊት እቲ ምንቅስቓስ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝኣትውሉ መትከሊ እግሪ ክዳለወሎም ምስ መንግስቲ ተዘራሪብና ኢና ኢሎም።

ኣመራርሓ ደምህት ኣብ ከተማ መቐለ ዝኣተውሉ
ኣመራርሓ ደምህት ኣብ ከተማ መቐለ ዝኣተውሉ

ኣብቲ ኣቀባብላ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ኣይተ ነጋ በርሀ ብወገኖም መንግስቲ ትግራይ ይኹን ውድብ ህወሓት ምስ ደምህት ኣብ ዘራኽቦም ጉዳያት ሓቢሮም ንምስራሕ ድልው እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣመራርሓ ደምህት ከተማ መቐለ ኣትዮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:25 0:00


XS
SM
MD
LG