አዲስ አበባ —
ናይ ኣርበኞች ግንቦት 7 አባላት ኣመራርሓ ትማሊ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ ካብ ቦሌ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣትሒዙ ክሳብ አዲስ አበባ ስታድየም ድሙቕ ኣቀባብላ ተጌርሎም።
አባላት ኣመራርሓ አርበኞች ግንቦት 7 ኣብ አዲስ አበባ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን’ቲ ስታድየም አዲስ አበባ ብናይ ቐደም ባንዴራ ኢትዮጵያ ደሚቑ ከምዝነበረን ብዝሒ ዘለዎ ሰባት ከምዝተረኽቡን ተፈሊጡ’ሎ።
ናይ ኣርበኞች ግንቦት 7 ምንቅስቃስ አቦ መንበር ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ አዲስ አበባ አብ ዝኣተውሉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነዚ ለውጢ ዝቓወሞ ወገናት ናይ ይቅሬታን ፍቕሪን ጻውዒት ኣቕሪቦም። ዋና ጸሓፊ'ቲ ውድብ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ ብወገኖም "እቲ ቃልሲ ገና ሕጂ’ዩ ተጀሚሩ" ኢሎም ።